ኢራን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ከተማ ቴህራን መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃንየህ ድሕሪ ምቕንጽሉ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ካብ ምፍዳይ ክቑጠባ ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ምዕራባውያንን ንዝቐረበ ጻውዒት ነጺጋቶ። ብምኽንያት ቅንጸላ መራሒ ሓማስ እስማዔል ሃኒዬ ዝተኸስተ ወጥሪ ንምጉዳል ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታመር፡ ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ “ኢራን ቐጻሊ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከተካይድ ምዃና እትገብሮ ዘላ ምፍርራሕ ደው ከተብል” ተማሕጺኑ እዩ።
ፔዘሽክያን ግን ሕነ ምፍዳይ “ገበን ደው ንምባል ዝሕግዝ መንገዲ” ከምኡ’ውን “ሕጋዊ መሰል ኢራን” ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ምሕጽንታ ኣዋዲቕዎ’ሎ። ኣብ ቅትለት ሃኒየ ኢድ ኣለኒ ኢላ ዛጊት ሓላፍነት ዘይወሰደት እስራኤል፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወተሃደራዊ ሓይልታታ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንቕሓት ኣእትያቶ ምህላዋ ካብቲ ዞባ ዝወጹ ጸብጻባት ይገልጹ’ለዉ። ኣሜሪካ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቀረባ እዋን ብኢራን ወይ ብወከልታ “ዓቢ መጥቃዕቲ” ክፍጸም እዩ ብዝብል ትዳሎ ምህላዋን፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ወተሃደራዊ ህላወኣ ብምህናጽ ንእስራኤል ንምክልኻል ክትሕግዝ ምዃና ኣጠንቂቓ’ላ። እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓያል ምንቅስቓስ ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ’ውን እስራኤል ኣብ ቤሩት ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ንሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝታ ምቕታላ ብምሕባር ሕነ ክፈዲ ምዃኑ የፈራርሕ ኣሎ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰሉስ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ብምኻድ፥ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ንምስታፍ ዝነበሮ መደብ ወንዚፍዎ’ሎ። ትማሊ ሶኑይ ምሸት መራሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኢራንን መሻርኽታን “ዞባዊ ወጥሪ ዝያዳ ካብ ዘጋድድ መጥቃዕቲ ክቑጠቡ” ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።