ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማል ሰኑይ ምስ ጒጅለ ላዕለዋይ ሃገራዊ ጸጥታ ተራኺቡ፡፡ ባይደን ነዚ ዝገበረ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትኽእል እያ ዝብል ሻቕላታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን። ባይደን፡ ንእስራኤል መጥቃዕቲ እንተበጺሕዋ ንምድጋፍ ዝግበር ምድላዋት ኣመልኪቱ መብርሂ ከምዝተዋህበ ክዛረብ እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ድማ ሰብመዚ እታ ሃገር እዚ ንኸይፍጠር “24 ሰዓታት” ብንቕሓት ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ’ሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ቅትለት ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ከቢድ ወጥሪ ተላዒሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኢራን ንእስራኤል ከቢድ ወቐሳ ድሕሪ ምብጻሕ “ከቢድ” ሕነ ክትፈዲ ቃል ምእታዋ ዝዝከር እዩ። እስራኤል ነቲ ቅንጸላ ብዝምልከት ዛጊት ሓላፍነት ኣይወሰደትን።
ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት እውን ዜጋታተን ካብ ሊባኖስ ክወጹ ሓቢረን ኣለዋ። ኣብ ሊባኖስ ብኢራን ዝድገፍን ኣንጻር እስራኤል ዝቃለስን ምልሻን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ሕዝቦላህ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ግብረመሲ ክህብ ክህብ ይኽእል እዩ ብዝብል ሻቕላ ሰፊኑ’ሎ።