ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ግዝኣት ኬራላ ዝመደብሩ ዕሙር ኢንዱስትሪ ፊልም ብከዋኽብቲ ተዋሳእቲ ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ተዋሳእቲ ብዝፍጸም ጾታዊ ኣስገዳድ ኣብ ልዕሊ ስሙ ጽላልቶ ከም ዝተነብሮ ይግለጽ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ብ ገለ ላዕለዎት ደቂ ተባዕትዮ ከዋኽብቲ ጾታዊ ኣስገዳድ ይፍጸም ምህላዉ ዝገልጽ ክስታት ብዙሕ መዛረቢ ኮይኑ’ሎ። እዚ ኣብ ዓመት ኣስታት 150-200 ብቋንቋ ማላያላም ፊልምታት ዝሰርሕ እዚ ኢንዱስትሪ፡ ገለ ካብቶም ብነቐፍቲ ዝነኣዱን ገስገስቲ ዝኾኑን ፊልምታት ኣብ ህንዲ ክቕልቀሉ ኣብ ምግባር ዝነኣድ ተራ ምጽዋቱ እዩ ዝንገረሉ።
እት 290 ገጻት ዝሓዘ ብ ሓደ ጒጅለ ዝተዳለወ መዘክር፡ ኣብ ሲነማ ማላያላም ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ጸገማት ብዝርዝር ዝገልጽ ኮይኑ፡ ድኹም ኩነታት ስራሕን ስፍሕ ዝበለ ጾታዊ ኣስገዳድን ዘርዚሩ’ሎ። ገለ ክፋል ናይቲ ጸብጻብ፡ መንነት ናይቶም ብህይወት ዝተረፉ ከምኡ’ውን ብግፍዒ ዝተኸሰሱ ንምኽዋል ብዝብል ገለ እርማት ተጌሩሉ’ሎ። እቲ ጸብጻብ ካብ ዝወጽእ ንደሓር ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ – ገለ ካብአን ሕጂ ካብ ምስራሕ ፊልም ዝወጻ – ኣብቲ ኢንዱስትሪ ጾታዊ መጥቃዕትን ምግፋዕን ከምዘጋጥመን ጥርዓን ኣቕሪበን ኣለዋ።
ኣብ ልዕሊ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ኮኾባት ልዕሊ ደርዘን ጥርዓናት ናብ ፖሊስ ቀሪቡ’ሎ።
“እዚ ጥማዕ ናይቲ ዝተፈጸመ በደል እዩ። ክሳብ ሕጂ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ዝተፈጸሞም በደል ዝገለጹ ውሑዳት እዮም። ዝኸፍአ ክንሰምዕ ንዳሎ’’ ክብል ተዋሳኣይ ማላ ፓርቫቲ ንቢቢሲ ሂንዲ ተዛሪቡ። ኣብ ቦሊዉድ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ፊልም ህንዲ ዝርከቡ ሰባት ነዚ ጒዳይ ብቐረባ ይከታተልዎ ኣለዉ። ኣብ እዋን ምንቅስቓስ #MeToo፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣውራጃታት ዝቕመጣ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ተዋሳእትን ኣፍረይቲ ፊልምን ክሲ ጾታዊ ኣስገዳድ ከምዘቕረባ እንተኾነ፡ ካብዚኦም ክሲታት ግን ውሑዳት ጥራይ ከም ዝምርምሩ እየን ዝገልጻ።
መንግስቲ፡ ኣብ 2017 ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኮኾብ ተዋሳኢት ጾታዊ ኣስገዳድ ድሕሪ ምግጣሙ ብሓደ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬራላ ነበር ዝምራሕ ኮሚተ ሄማ ኣቚሙ ምቑሙ ቢቢሲ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።