ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እንተተኻኢሉ ዝኾነ ኣብ ስክሪን ዘሕልፍዎ ግዜ ክህሉ ኣይግባእን ተባሂሉ። ጎድኒ ጎድኒዚ መንእሰያት መዓልታዊ ኣብ ስክሪን ዘሕልፍዎ ግዜ ኣብ ሰለስተ ሰዓታት ክድረት ኣለዎ ዝብል መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ። እዚ ለበዋታት ዝወጸ በቲ ንብዙሕ ዲጂታላዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝተቓልዑ ህጻናት ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ዝገልጽ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን እዩ።
“ልዑል ናይ ስክሪን ግዜ ምስ ዘይጽቡቕ ድቃስን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሕማማት ዝተኣሳሰር እዩ” ትብል ላዕለወይቲ ተንታኒት ናይቲ ትካል ሄለና ፍሪሊንግስዶርፍ። እዚ እናኾነ ሓፈሻዊ እገዳ ሞባይል ኣብ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ብውድባት መንግስትን ዲሞክራት ሽወደንን ይዳሎ ምህላዉ ተፈሊጡ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ንባዕለን እገዳ ሞባይል እንተዝትግበር ከም ዝመርጻ ይንገር ኣሎ።
“ኣብ ክፍሊ ክጥቀመሉ የብሎምን ዝበሃል ክርድኣኒ ይኽእክ እዩ፡ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ግን ክፍቀድ ይግባእ” ይብል ማንስ ቢዮርክሉንድ ኣብ ረሲደንስኮላን ኣብ ሉለዮ።