ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓቱ LGBTQI+ ሰባትን ውጽኢቱን ብዝምልከት ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ሓደ መጽናዕቲ ዕላዊ ጌሩ። ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ኣዳላዊ ናይቲ መጽናዕቲን ቶማስ ዊማርክ፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ዝጥቀመሉ ሜላታት ብምልዓል ኔቒፉ’ሎ። ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ኣያን ናሶዚ፡ LGBTQI+ ሰባት ኣብ ፍርዳዊ ኣረኣእያታት ዝመልኦ ሃዋሁ ክነብሩ ጸቕጢ ይስምዖም፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ዑቕባ ከይክልከሉ ስግኣት ከም ዘለዎም ገሊጹ’ሎ።