ኣብ ቫስትራ ጉትላንድ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሆስፒታላት ሕጽረት RH-negative ከምኡ’ውን ዓይነት ደም A+ ከም ዘጋጠመ ዞባዊ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ዞባዊ በዓል መዚ ጥዕና ቬስትራ-ጎታላንድ ምክትል ሓላፊት ክፍሊ ክሊኒካዊ ኢምዩኖሎጂን ሕክምና ምትሕልላፍ ደምን ሊንዳ ፖልሰን፡ እቲ ሕጽረት ደም ዘጋጠመ ኣብዚ ጽድያ ብምኽንያት እተኸስተ ኣብያ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ምዃኑ፡ ንቡር ደም ዝልግሱ ሰባት ከኣ ብምኽንያት ወቕቲ ሳመር ኣርሒቖም ብምጋሾም ምዃኑ ገሊጻ’ላ። ደም ዝልግሱ ሰባት ውሕስነት ኣብ ግምት ብእምእታው ሽወደንኛ ተዛረብቲ ክኾኑ ሓደ ካብ ረቑሒታት ምልጋስ ደም ኮይኑ፣ እንተኾነ ግን ኣሰር ዞባ ስቶክሆልም ብምስዓብ፣ ቬስትራ ጎታላንድ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንተዛረብቲ እንግሊዝኛ እውን እዚ ዕድል ክትገብር ምዃና ድሕሪ ምምልካት “ኲሉ ሰብ ኣብዚ ኣበርክቶ ክገብር ንደሊ ኢና” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ’ላ።