ኲባንያ ክዳውንቲ ሽወደን H&M ኣብ ዞባ ሺንሻንግ–ቻይና–ብድጎማ ምስ ዝንቀሳቐስ ኲባንያ ብሓባር ይሰርሕ ምህላዉ
ገሊጹ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ዞባ ገዚፍ ምህጋስ ሰብኣዊ መሰላት ከም እተፈጸሙ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ጸኒሑ’ሎ።
ኲባንያታት “ሊንዴክስ” ከምኡ’ውን “ቫርነር” ምስቲ ኲባንያ ዘለወን ርክብ ከቋርጻ ከም ዝወሰና ንሬድዮ ሽወደን ገሊጸን ኔረን
እየን።
እንተኾነ ግና H&M ነቲ ጒዳይ ብኻልእ መንገዲ ክርእዮ ይደሊ ይኸውን እዩ ክብል ራኡ ማረስ ካብ ትካል ሰብኣዊ መሰላትን
“ህዩማኒታርያን ሎውን” ገሊጹ። እንተኾነ ግና H&M ግብረመሱ ንህዝቢ ዕላዊ ክገብር ከድልዮ ምዃኑ ማረስ ወሲኹ
ኣተሓሳሲቡ’ሎ።