ካብ 23 መስከረም ጀሚሩ፡ ኣብ ሃገረ ስፔይን ሕክምናዊ ክንክን ዝድልዮም ፊንላንዳውያን ተጓዓዝቲ ዝቐለለ ግዜ ክህልዎም እዩ፡፡
ምኽንያቱ ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት ስፔይን ዝርከቡ ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ሕጂ ብመንገዲ ኣገልግሎታት ካንታ ዳታ ሕሙማቶም
ክረኽቡ ኽኽእሉ እዮም። እዚ ብዜጋታት ስፔይን ዝኾኑ ሞያ ክንክን ጥዕና ዝወሃብ ኣገልግሎት፡ እቲ ሕሙም ብመንገዲ
ማይካንታ፡ ኣጠቓላሊ ሓበሬታ ኲነታት ጥዕናኦም፡ ትእዛዝ ሓኪም፡ ኣለርጂን ካልእን መርመራታትን ንምርካብ ከኽእሎም እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ገለ ክፋል ስፔይን ብፍላይ ድማ ከም ኮስታ ደል ሶል፡ ደሴታት ካናሪ፡ ካታሎንያን ከባቢ ማድሪድን- ዝረአ
ኣገልግሎት- ጥዕና ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ፊንላንዳውያን ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣገዳሲ ዳታ ሕሙማት
ጥራይ ከም ዝካፈልን፡ ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ድማ ብዘይ ፍቓድ እቲ ሕሙም ምሉእ መዛግብቲ ሕክምና ከም ዘይረኽቡ ምፍላጥ
ኣገዳሲ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ብኻልእ ዜና ዩኒሴፍ ፊንላንድ ንመጀመርታ ግዜሄልሲንኪ ንህጻናት ዝመችአት ከተማ ምዃና ኣፍልጦ ሂቡዋ፡፡ እታ ከተማ መሰላት
ህጻናት ንምሕላውን ንምድንፋዕን እትገብሮ ቀጻሊ ተወፋይነት ፍሉይ ምዕራፍ እዩ። እዚ ኣፍልጦ ዝረኸበ፡ ሄልሲንኪ ኣብ 2021
ኣብ ተበግሶ ቤት ምኽሪ ዝተመርኮሰ ተበግሶ ምሕዝነት ህጻናት ዩኒሴፍ ድሕሪ ምጽንባራ እዩ።