ሕብረት ኤውሮጳ ን’ሕጊ ምስጓግ’ ፊንላንድ ጸጥታዊ ጒዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ደገፉ ምሃቡ ተገሊጹ። ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ቀረባ እዋን ፊንላንድ ንዝወሰደቶ ዶባት ዘውሕስ ስጉምትታት ፡ ብ14 ሓምለ ተዓዛቢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝግባእ ሸገነ ተዋሂብዎ’ሎ። እቲ ጽሑፍ፡ ዋላ’ኳ ሓለውቲ ዶባት ንሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩስያ ብሓይሊ ክመልስዎም ዘፍቅድ ብዓይኒ ሕጊ ስክፍታ ዝፈጥር ዓንቀጻት እንተሃለዎ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሓድሽ ሕጊ ምስጓግ ፊንላንድ ዘለዎ መርገጺ ዝድህስስ’ዩ።
ዋና ኣፈኛ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኤሪክ ማመር፡ ሃገራዊ ሕግታት ምስ መምርሒታት ሕብረት ኤውሮጳ ክሰማምዑ ኣለዎም’ኳ እንተኾኑ፡ ኮሚሽን ግን ነቲ ነቐፍቲ ንሕጊ ዝዳፋእ’ዩ ዝብልዎ ሓድሽ ሕጊ ፊንላንድ ክትንትን ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። “ሃገራዊ ሕግታት ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ኣለዎም፥ እዚኦም ድማ ምስ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሰማምዑ ክኾኑ ኣለዎም” ክብል ማመር ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጸደቐ ሕጊ፡ ኣካታዒን ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ክጥሕስ ዝኽእልን እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።
“እዚ ሓድሽ ተርእዮን ስግኣትን እዩ። ግና ከም ተግባር ድሕነት ስግኣት ክረአ ኣለዎ” ኢላ’ላ ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን።
ፊንላንድ ምስ ሩስያ ዘለዋ ናይ መሬት ዶብ መሳገሪታት ካብ እትዓጹ ንደሓር ስክፍታታት ተላዒሉ እዩ፡፡ እዚ ስጉምቲ እዚ ብቤት ምኽሪ ስደተኛታት ፊንላንድ ኣህጉራውን ሕግታት ዑቕባ ሕብረት ኤውሮጳን ክጥሕስ ከምዝኽእል ብምልዓል ተነቒፉ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ፡ ስርዓት ዑቕባ ፊንላንድ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዝተመዝገበ 900 ዋሕዚ ስደተኛታት ክቆጻጸሮ ከምዝኽእል ብምምጓት፡ ኣድላይነት ናይቲ ምዕጻው ኣብ ሕቶ ምእታዉ ዝፍለጥ ዩ።
ተግባራት ፊንላንድ ኣብ ላቲቭያ፡ ሊትዋንያን ፖላንድን ዘሎ ተመሳሳሊ ኣካታዒ ሕግታት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳ’ውን ነዚ ዘለዎ ደገፍ ሂቡ እዩ። ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣቐዲሙ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ብምምኽናይ ንጸጥታ ዶባት ኔቶ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጉሊሑ ኔሩ እዩ።