ኣደ መንበር ባይቶኣዊ ጉጅለ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ቲቲ ቱፑራይነን፡ ሃንጋሪ ንሩስያውያን ብዘይ ጸጥታዊ ቁጽጽር ናብ 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ውድብ ብኣድማዒ መንገዲ ንምኽፋት ዝወሰደቶ ውሳነ ኣመልኪቱ ሕብረት ኤውሮጳ ምላሽ ክህብ ተላብያ ክትብል ሄልሲንጊን ሳኖማት ጸብጺቡ።
“ሃንጋሪ ካብቲ ኣብ ሸንገን ካብ ዝካየድ ናጻ ምንቅስቓስ ክትግለል ኣለዋ፥ ምቁጽጻር ዶባት ክተኣታቶ፥ ሃንጋሪ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትስጐጒ ከይገበርና ንነብስና ክንከላኸል ኣለና” ክትብል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኤክስ ኣተሓሳሲባ። ሃንጋሪ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንቤላሩስን ሩስያን ሓዊሱ ሸሞንተ ተወሰኽቲ ሃገራት ንምሕዋስ ዝዓለመ ቅልጡፍ ቪዛ ኣተኣታትያ’ላ። ቅድሚ ሕጂ ንዜጋታት ሰርብያን ዩክሬንን ጥራይ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ቪዛታት፡ ሰባት ብሃንጋሪ ኣቢሎም ካብተን ንከባቢ ሸንገን ዝቖማ 29 ሃገራት ናብ ዝኾነት ክኣትዉ ክኽእሉ እዮም። ቱፑራይነን ትማሊ ረቡዕ ንሄልሲንጊን ሳኖማት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኣብነት፡ ምቁጽጻር ዶባት ዳግማይ ከምዝተገብረ ኣዘኻኺራ።
“ሕጂ ኣብ ዶባት ሃንጋሪ ምቁጽጻር ዶባት ክምለስ ምግባር ግቡእ እዩ፥ ምኽንያቱ ሃንጋሪ ኣብ ልዕሊ ሩስያውያን ዘለዋ ዝተፈላለየ መርገጺ ንመላእ ሕብረት ጸጥታዊ ስግኣት ክኸውን ዝኽእል’ዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዘይ ውዓል ሕደር ክእከብ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ” ክትብል ገሊጻ። ሃንጋሪ ብ 1 ሓምለ ፕረዚደንትነት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ሒዛ እያ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ርክብ ዘጠቓለለ ናይ ሰላም ተልእኾ ኢሉ ዘጠመቖ ወፍሪ ምጅማሩ ብኻልኦት ኣባላት ብጽቡቕ ኣይተወስደን። ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ እቲ ቅልጡፍ መደብ ቪዛ ምስ ሕግታት ከባቢ ሸንገን ዝሰማማዕ ድዩ ኣይሰማማዕን ንምውሳን ከምዝውስን ኣመልኪቱ’ሎ።
ሄልሲንጊን ሳኖማት ትማሊ ረቡዕ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤሊና ቫልቶነን እውን ርክብ እኳ እንተገበረት፡ ሓገዝታ ግን ዝርዝር ናይቲ ውጥን ቪዛ ገና ኣይተረጋገጸን ብዝብል ምኽንያት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህቡ ኣይደለዩን።