ሓያሎ ልኡኻት ሃገራዊ ዋዕላ ዲሞክራስያውያን፡ ንባይደን ዝገብርዎ ደገፍ ከምዘይተቐየረ ብዘይ ምግናን ገሊጾም – ዋላ’ኳ ካብቲ ውድድር ከቋርጽ ጻውዒት እንተቐረበ። እዞም ልኡኻት ንባይደን ኣብቲ ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝካየድ ናይ ነሓሰ መደብ ድምጺ ክህቡ እዮም፡ እዚ ድማ ወግዓዊ ሕጹይ ክኸውን እዩ። ንባይደን ኣብ መባእታዊ ምርጫ ዲሞክራት ድሕሪ ምዕዋቱ “ብጽቡቕ ሕልና” ክድግፍዎ ግዴታ ከምዘለዎም ሕጊ ሰልፊ ይሕብር። ኤልያስ ሁክስ ኣብ 22 ዓመት ዕድሚኡ ሓደ ካብቶም ዝነኣሱ ልኡኻት ዲኤንሲ ካብ ፍሎሪዳ ኮይኑ፡ ኣብታ ግዝኣት ኣብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ብንጥፈት ይሳተፍ ኣሎ።
ንሱ፡ ናይ ባይደን ናይ ክትዕ ብቕዓት ኣኻውሕ ዝመልኦ’ኳ እንተነበረ፡ “ኩላትና ግን ንጋገ” ይብል።
“ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ፕረዚደንት ባይደን እየ ዘለኹ” ዝበለ ሁክስ፡ ንኻልኦት ሕጹያት – ብፍላይ ድማ ንምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ – ክፉት ክኸውን’ዩ፡ ባይደን ድሕሪ ሕጂ ኣብቲ ውድድር ክኣቱ ከምዘይደሊ ምስ ዝውስን ጥራይ’ዩ ይብል። ኣብ ዲኤንሲ ንምስታፍ ካብ ኩለን 50 ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝመጹ 3,939 ልኡኻት ኣለዉ። ገሊኦም ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ገሊኦም ድማ ኣብ 80ታት ዕድመ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ዳርጋ ኩሎም ግን ንባይደን ኣብ መባእታዊ ምርጫታት ክፍለ ግዝኣታቶም ህዝባዊ ድምጺ ምስ ተዓወተ ቃል ኣትዮምሉ።
ካልእ ልኡኽ ሊዮ ቦርቶሎቶ ካብ ደንቨር፡ ንባይደን ድምጺ ንምሃብ ብሃንቀውታ ይጽበ ከምዘሎ ይዛረብ። ብዛዕባ ዕድመ ባይደን ስክፍታታት ነይርዎ ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ “ርእይቶ የብለይን” ይብል። ምክትል ኣደ መንበር ዲሞክራትስ ኬኖሻ ካውንቲ ኣብ ዊስኮንሲንን ልኡኽ ናይቲ ጉባኤን ዝኾነት ሰሊ ሲምፕሰን እውን ንፕረዚደንት ዘለዋ ደገፍ ዓቂባ፡ መራኸቢ ብዙሃን “ከምቲ ኣብ ልዕሊ ባይደን ዝገበርኦ ንትራምፕ ኣይገበራኦን” ትውስኽ። ካልእ ሕጹይ ናብቲ ውድድር እንተዘሊሉ እንታይ ከም ዝኸውን ኣብ ግምት ከተእቱ ከም ዝጀመረት ትዛረብ፡ ንመን ከም እትድግፍ ግን ርግጸኛ ኣይኮነትን