ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስ ኣብ ቀዳማይ ሰልፊ ጎስጓሳ ዋይት ሃውስ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ መጥቃዕቲ ብምክያድ ነቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ኣብ መንጎ ዓቃቢ ሕጊ ፍሩድ ገበነኛን እዩ ክትብል ገሊጻ። ሃሪስ ኣብታ ርሱን ክትዕ ዝካየደላ ዘሎ ዊስኮንሲን ንዝተኣከቡ ኣስታት 3000 ሰባት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ን ትራምፕ ምስቶም ከሲሳቶም እትፈልጥ መጭበርበርቲ ኣመሳሲላቶ። ትራምፕ ብወገኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ “ካማላ ዝተንከፈቶ ኣይጸንዕን እዩ” ክብል ዘሊፍዋ’ሎ። እዚ ድማ፡ ደገፍ ዝበዝሑ ልኡኻት ዲሞክራትስ ረኺባ ሕጽይቲ ናይቲ ሰልፊ ንምዃን መንገዲ ምስ ጸረገት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እያ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጎስጓስ ተጸሚዳ ትረአ ዘላ።
ዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣንጻር ትራምፕ ዘካየዶ ኣዕናዊ ክትዕ ስዒቡ ካብ ላዕለዎት ዲሞክራትን ለገስቲን ጸቕጢ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ካብቲ ውድድር ከምዝወጽእን ን ምክትል ፕረዚደንቱ ከምዝደገፈን ምፍላጡ ዝዝከር እዩ።
ዛጊት ሮይተርስን ኢፕሶስን ኣብ ዝገበረኦ ዳህሳስ ሃሪስ ካብ ትራምፕ ብኽልተ ነጥቢ ቀዲማ ትመርሕ ምህላዋ ብምምላት ንሳ ካብ 44% ትራምፕ ከኣ 42% ደገፍ ከም ዘለዎም ኣጣሊሉ’ሎ።