ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ካማላ ሃሪስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ቅድሚ መንበሪ ምክትል ፕረዚደንት ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ሕጹይ
ሰልፊ ሪፓብሊካንን ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪኣን ትራምፕ ሓጺር ግን ከኣ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ኣካይዳ። ንዶናልድ ትራምፕ
“ስሑውንዘይርጉእን” ኢላ ዝነቐፈት ሃሪስ፥ ነቲ ሓላፊ ስታፍ ዋይት ሃውስ ነበር ጆን ኬሊ፡ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ልዕሊ
ትራምፕ ዝሃቦ ነቐፌታዊ ርእይቶታት ጠቒሳ። እታ ምክትል ፕረዚደንት ንኬሊ ኣልዒላ፡ ንትራምፕ “ፋሽሽታዊ ተባሂሉ ክጽዋዕ
ዝኽእል” ን ሓጥያት ሂትለር ብዝኸዋውል መንገዲ ዝዛረብን ሰብ ክትብል ከሲሳቶ’ላ። መወዳድርታ “ቊጽጽር ኣልቦ ስልጣን”
ይደሊ እዩ ዝበለት ሃሪስ፡ ድሒራ ኣብ ሲኤንኤን ታውን ሆል ኣብ ዝሃበቶ ኢተርቪው ትራምፕ “ፋሽሽታዊ” ምዃኑ ብርግጽ ትኣምን
እንተኾይና ምስ ተሓተተት “እወ” ክትብል መሊሳ’ላ።
ትራምፕ ብወገኑ ን ሃሪስ “ኣእምሮኣ ብልክዕ ዘይሰርሕ ሰብ” ክብል ነቲ ነቐፌታኣ ኣዋዲቕዎ’ሎ። እዚ እናኾነ ሞዴል ነበር ስታሲ
ዊልያምስ፡ ኣብ 1993 ምስ ዶናልድ ትራምፕ ብነፍስሄር ጀፍሪ ኤፕስተይን ከምዝተላለየት፥ እንተኾነ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ
ብዘይፍቓዳ ኣብ ኣካላታ ምትንኻፍ ምክያዱ ምስ ጋዜጣ ጋርድያን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ከሲሳ። እዚ ክስታት ንካማላ ሃሪስ
ብዝድግፍ ጉጅለ ኣብ ዝተዳለወ ጻውዒት እውን ዝቐረበ ኮይኑ፡ ብወፍሪ ጎስጓስ ትራምፕ ብትሪ ተነጺጉ’ሎ።