ደቡብ ኮርያዊት ሃን ካንግ ተሸላሚት ኖቤል ስነጽሑፍ 2024 ኮይና፡፡ እዚ ምርጫ ንኣፍቀርቲ መጻሕፍቲ ሽወደን ባህታኳ እንተፈጠረ ቅዳሕ መጻሕፍታ ኣብ እንዳ መሸጣ ዘይምህላዉ ግና ሓደ ብድሆ ኮይኑ’ሎ። መሸጣ ስራሕ ናይዛ ተዓዋቲት ድሕሪ ገለ ሰሙናት ክጅምር ተኽእሎ ኣሎ ክብል ሰራሕተኛ ድኳን ሄደንግረንስ ኒክላስ ቢዮርክሆልም ገሊጹ’ሎ።
“ኣብ ዱካን ዝኾነ ድርሰታ የለን” ይብል። ክልተ ቅዳሓት መጻሕፍቲ ሃን ካንግ ናይቲ ድኳን ንእለታ እየን ተሸይጠን፡፡ ኣፍቃሪ መጽሓፍ ቤንግት ሪትሪ ተቐዲሙ መጻሕፍታ ክገዝእ እኳ እንተዘይከኣለ ካንግ ተዓዋቲት እዚ ሽልማት ምዃና ምሕጓሱ ገሊጹ’ሎ። ኣካዳሚ ሽወደን ተዓዋቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኖቤል ስነ-ጽሑፍ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ኣብ ሓያሎ ኣስተማቐርቲ ስነጽሑፍ ስሽወደን ናይ ሓጎስ ድምጺተሰሚዑ። ሽልማት ኖቤል ስነ-ጽሑፍ 2024 ንደቡብ ኮርያዊ ጸሓፊ ሃን ካንግ ዝወሃቦ ኮይኑ፡ ብኣካዳሚ ሽወደን “ኣብ ፕሮዝ ብዙሕ ጥበብ ዘተኣታተወት ሰብ” ተባሂላ እያ ትግለጽ።