ኣብ ዶሃ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሐ ነዊሕ ልዝብ ድሕሪ ምክያድ ሓማስ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቴህራን ዝተቐትለ እስማዒል ሃኒየ ብምትካእ፡ ንያሕያ ሲንዋር ሓድሽ ሓላፊኡ ገይሩ ሸይምዎ። ሲንዋር ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ወሽመጥ ጋዛ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ’ዩ። ሕጂ ድማ መራሒ ፖለቲካዊ ክንፉ ክኸውን እዩ። መሪሕነት ሓማስ ነቲ ምንቅስቓስ ክመርሕ ንሲንዋር ብሙሉእ ድምጺ ከም ዝመረጾ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።
እዚ ኣዋጅ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ህሞት ዝወጸ ኮይኑ፡ ኢራንን መሻርኽታን ንእስራኤል በቲ ቅትለት ሕነ ክፈድዩ ኣብ ዘፈራርሕሉ ዘለዉ እዋን’ዩ። እስራኤል ብዛዕባቲ ጒዳይ ርእይቶ ኣይሃበትን ኣላ።
እቲ ቤት ምኽሪ ንሲንዋር ንምምራጽ ብሙሉእ ድምጺ ድምጺ ምሃቡ ተሓቢሩ’ሎ።
“እስራኤል ንፍታሕ ክፉትን ተዓጻጻፊ ዝኾነ ሃኒየ እያ ቀቲላ። ሕጂ ድማ ምስ ሲንዋርን ወተሃደራዊ መሪሕነቱን ክገጥሙ እዮም” ክብል እቲ በዓል መዚ ገሊጹ’ሎ። እስማዒል ሃኒየህ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ሓማስ ዝርከቡ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብዲፕሎማሰኛታት እቲ ዞባ ዞባ ከም ኣብ ግብራዊ ውሳነታት ዝኣምን–ፕራግማቲክ– ሰብ ዝረአ ነይሩ። ብኣንጻሩ ያህያ ሲንዋር ከም ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጥሩፋት ባእታታት ሓማስ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ።
ሲንዋር ኣብ ዝርዝር ኣዝዮም ተደለይቲ ሰባት እዩ ዝስራዕ። ንሱ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምህንዳስ ዝኽሰስ እዩ። 61 ዝዕድሜኡ ሲንዋር ድሕሪቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዘይተራእየን ኣብ ቓዛ “10 ደርቢ ትሕቲ መሬት” ከምዝተሓብአ ይእመን ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ወርሒ ሰነ ገሊጹ ነይሩ እዩ።
ሲንዋር ኣብ 1962 ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ካን ዩኒስ እዩ ተወሊዱ። ኣብ መወዳእታ 1980ታት ሲንዋር ብማጅድ ዝፍለጥ ኣገልግሎት ጸጥታ ሓማስ መስሪቱ፡ እዚ ድማ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ምስ እስራኤል ተሓባበርቲ ፍልስጤማውያን ዝበሃሉ ሰባት ዒላማ ዝገበረ እዩ ኔሩ። ዝበዝሕ ህይወቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ዘሕለፈ ሲንዋር ድሕሪ ዚ ኣብ 1988 ንኣርባዕተ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ምልውዋጥ እሱራት ኣዕራብን እእስራኤላውያንን ዝተፈነዉ ሓደ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ፡፡ ሲንዋር ኣብ 2017 ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ ከም እተመዘን ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዝርዝር “ኣህጉራውያን ግብረሽበራውያን” ከም ዘስፈረቶን ቢቢሲ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።