ኣብ ሽወደን ልዕሊ 31 ሽሕ ሰባት፡ እንተላይ ካብ ጎነጽ ዝመልኦ ዝምድና ዝወጻን ቆልዑ ዘለወንን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓለዋ ክወሃበን ተጌሩ ምጽንሑ እንተኾነ እዚ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዝነበረ ብ ልዕሊ ዕጽፊ ምውሳኹ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ሓደ ሰብ ንሓለዋ መንግስቲ ብቑዕ እንተኾይኑ፡ ትካል ግብሪ ሽወደን ብዛዕባ እቲ ሰብ ኣብ መዝገብ ህዝቢ ሓበሬታ ንምርካብ ክድርት ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ምንባር ግን ከቢድ እዩ፥ ዳርጋ “መንደቕ ዘይብሉ ቤት ማእሰርቲ” እዩ ክትብል ሓቀኛ ስማ ክዕቀበላ ዝደለየት ኤሊን ገሊጻ’ላ።