ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ናዚ ጀርመን ንኖርወይ ብሓይሊ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ኩሽሊን ንሃገሩ ብምኽዳዑ፥ ኣብ መዝገበ-
ቓላት ቋንቋ እንግሊዝ ከም ትእምርቲ ክሕደት እዩ ዝግለጽ። ኪስሊንግ ዝብል ቃል እንግሊዝኛ ንጸላኢ ምሕጋዝ ዝብል ትርጉም እዩ
ዘለዎ። ሂትለርን ሰልፉ ናዚን ተሳዒሮም ኖርወይ ሓራ ድሕሪ ምውጽኣ ዝነበረ ዕጫኡ እትገልጽ ሓዳስ ፊልም ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዓዱ
ንምርኢት ቀሪባ። እዛ ፊልም ኤውሮጳ ዳግማይ ናብ ኲናት ትኣቱዶ ተባሂሉ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምስርሓ ፍሉይ ኣቓልቦ
ክትስሕብ ጌርዋ’ሎ።
ኖርወጃዊ ተዋሳኣይ ጋርድ ቢዮንስትየርነ ኢድስቮልድ ኣብ እዋን መግዛእቲ ናዚ ጀርመን፡ ቪድኩን ኲሽሊንግ ምስሊኔኣዊ መንግስቲ
ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሕ ስቅያት ካብ ዝበጽሓ ስድራቤት እዩ ተወሊዱ። ኢድስቮልድ ንማዕከናት ዜና ኖርወይ ኣብ ዝሃቦ
ሓበሬታ፡ ናይ ኲሽሊንግ ጠባይ ክዋሳእ ዕድል ምርካቡ ብዙሕ ትርጉም ከምዝህቦን ገሊጹ’ሎ።
እታ “ስነ-ኣእምሮኣዊ ድራማ” ተባሂላ እተሰርሐት ፊልም፡ ሓደስቲ ውልቀመለኽቲ ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳ ስልጣን ክሕዙ ኣብ
ዝጽዕሩሉን ኣብ ኣውሮጳ ሰግለለት ኲናት ኣብ ዝረኣየሉን ዘሎ እዋን፡ ምስራሕ ዓብዪ ተገዳስነት ኣሕዲራ’ላ። ኲስሊንግ ካልኣይ
ኲናት ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ዩክሬን ግዜ ኣሕሊፉ እዩ፡፡ ግዳያት ጥሜት ክሕግዝ ይፍትን ምንባሩ፣ ምስ
ካልእ ህቡብ ኖርወጃዊ ፍሪድትዮፍ ናንሰን ኣብ ፕሮጀክትታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይሰርሕ ከምኡ’ውን ኣብ ሩስያ ከም ዲፕሎማት ኮይኑ
ምግልጋሉን እዩ ዝግለጽ።
ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኲናት ሂትለር ተሳዒሩ ንፍሰ-ቕትለት ምስ ፈጸመ ኩሽሊንግ ኣብ ከቢድ ጸገም እዩ ኣትዩ። እታ ኲስሊንግ –
ዘ ፋይናል ዳይስ እትበሃል ሓዳስ ፊልም፡ ኲስሊንግ ድሕሪ ሞት ሂትለር ናይ መወዳእታ ሃገራዊ ፈነወኡ ብሬድዮ ብምቕራብ፡
ሕጂ’ውን ንሂትለር ንቦልሸቪዝም ክስዕሮ ፈቲኑ እዩ ኢሉ እናነኣዶ እያ ትጅምር። ፖሊስ ኖርወይ ግን ንኲስሊንግ ኣሲሮም ኣብ
መወዳእታ ብዝለዓለ ክድዓት ኣብ ፍርዲ ክቐርብዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን።
እታ ነዊሕ ፊልም ብጽዑቕ ዳያሎግ፡ ውህደት ስእልታትን ኣለዋ ብዝብል ድሮ ብዙሕ ናእዳ ረኺባ’ላ። ኣብ ኦስሎ፡ ብዙሓት
ኖርወጃውያን ብዛዕባ ኲስሊንግ ክዝክሩ ኣይደልዩን፡ ዘሎ ሪኢቶታት ህዝቢ ኸኣ ዝተሓዋወሰ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቶሮንቶ
ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ፊልም እዛ ፊልም ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺባ’ላ። ሰበስልጣን ትካል ፊልም ኖርወይ ብወገኖም ፊልም
ኲስሊንግ ናብቲ ኣብ ቶሮንቶ ዝካየድ ፈስቲቫል ምዕዳማ ጥራይ “ዓቢ ክብሪ” እዩ ክብሉ ሓጎሶም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ዝመጽእ
ጽድያ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝካየድ ሽልማት ኣካዳሚ ንኖርወይ ወኪለን ካብ ዝተሓጽያ ሰለስተ ኖርወጃውያን ፊልምታት እውን
ሓንቲ እያ።