ሽወደናዊ ኩባንያ ኣልባሳት H&M ን350 ኣባላትን 800 ኣማኸርቱን ከምዘፋነወ ተፈሊጡ። መብዛሕትኦም እቶም ዝተፋነዉ ኣባላት ማእከላይ ቤት ጽሕፈት እቲ ኩባንያ ነይሮም። እዚ መስርሕ ምፍናው ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዘይኮነ፡ ነቲ ዘሎ ትካላዊ ቅርጺ ዳግማይ ንምህናጽ ዝዓለመ እዩ።
እዞም ዝተፋነዉ ኣባላት ኩባንያ፡ ኣብ ምምዕባል ስራሕን ተክነሎጃዊ መፍትሒታት ዝናድዩ ዝነበሩ ምዃኖም ኣፍቶንብላደት ኣፍሊጡ። ኩባንያ H&M ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዓሰርተታት እሽሓት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ከምዘፈነወ ይዝከር። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ መጠን ዓቕሚ መሸጣ ብ57% ከምዝጎደለ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣቃሊሑ ምንባሩ ውን ይፍለጥ።