ኣመሪካ: ኣብ ረብሓታት ሽወደን ትስሊ ኔራ ንዝብል ክሲ ኣመልኪታ: ኣመሪካ ንዝሃበቶ መብርሂ: መንግስቲ ሽወደን ከም እተቐበሎ ተገሊጹ።
እንተ ንሕና እዚ ጒዳይ መፍትሒ ከም ዝረኸበን ናብ ቀጻሊ ስራሕና ከነተኲርን ከም ዘለናን ኢና ንኣምን ክብል ሚኒስተር ምክልኻል: ፒተር ሁልትክቪስት: ገሊጹ’ሎ።
ዝሓለፈ ዓመት: ሬድዮ ዴንማርክ ምስ ከምኒ SVT ዝኣመሰሉ ካልኦት ሚድያታት ብምትሕብባር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: ኣገልግሎት ስለያ ኣመሪካ ኣብ መርበባት ኮምፕዩተር ክፍሊ ስለያ ሽወደን (Saab) ስለያዊ ስራሕ ምክያዱ ኣቃሊዐን ምንባረን ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ስለያ ኣብ ዓመታት 2012-2014 እዩ ኣጋጢሙ ተባሂሉ’ሎ።
መንግስታት ሽወደንን ዴንማርክን ነዚ ጒዳይ ኣመልኪተን: ኣመሪካ መግለጺ ክትህብ ርክባት ከካይዳ ምጽንሐን ሚኒስተር ምክልኻል: ፒተር: ንኮሚተ እቲ ሚኒትስትሪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣፍሊጡ’ሎ።
ብመሰረት ካብ ዴንማርክን ኣመሪካን ዝረኸብናዮ መብርሂ: እዚ ሽግር ከም እተፈትሐን ንቕድሚት ከነተኲር ከም ዘሎናን ኣብ ስምምዕ በጺሕና’ለና ኢሉ’ሎ–እቲ ሚኒስተር።