GOOGLE ትማሊ ሰኑይ ዝብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ ኣብቲ ድሮ ንሻብዓይ ግዜ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ኣብ ደቡባዊ ፊንላንድ–ሃሚና
ዝርከብ ማእከል ዳታ ዓብዪ ወፍሪ ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ኣብ ጉግል ዓለምለኻዊ ሓላፊ ማእከላት ዳታ ጆ ካቫ፡ ኣብቲ ማእከል ዳታ
ዝግበር ወፍሪ ፡ ኣብ መላእ ፊንላንድን ኤውሮጳን ንዝርከባ ኩባንያታት ዓቕሚ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንምስሳን ክሕግዝ ምዃኑ
ገሊጹ። ዋጋ ናይቲ ወፍሪ ሓደ ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ኮይኑ፡ እዚ ማለት እቲ ዓቢ ትካል ኢንተርነት ኣብቲ ኣብ 2009 ዝተመረቐ
መፍረ ዳታ ኣስታት 4.5 ቢልዮን ዩሮ ከፍስስ ምዃኑ ተገሊጹ። በዚ ድማ ጉግል ኣብታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ኣውፋሪ ዝሓለፈ ዓሰርተ
ዓመታት ክኸውን እዩ ክብል ዋና ዳይረክተር ቢዝነስ ፊንላንድ ኒና ኮፖላ ኣስተብሂላ።
መስርሕ ህንጸት ንዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዓመት ኣስታት 1,900 ቀጥታዊ፡ 1,650 ዘይቀጥታዊን ስራሕ ህንጻ እናበለ
ክቕጽል ትጽቢት ከምዘሎ ብዲሎይት ዝተገብረ ገምጋም ይሕብር። እቲ ምስፍሕፋሕ ምስተዛዘመ፥ ካብ መሃንድሳት ኤሌክትሪክን
መካኒካልን ክሳብ ሰራሕተኛታት መመገቢን ድሕንነትን ዝበጽሑ ኣስታት 400 ሰብ ሞያ ስራሕ ክፈጥር ትጽቢት ኣሎ። ቀዳማይ
ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (ኤንሲፒ) እዚ ወፍሪ ንቁጠባን ዕብየት ስራሕን ፊንላንድ ኣወንታዊ ዜና ምዃኑ ብምግላጽ ትማል ሰኑይ
ብሓጎስ ተቐቢልዎ’ሎ። ንሱ፡ እታ ሃገር ኣብ ብዙሕ ሃገራት ንዝሰርሑ ትካላት ሰሓቢትን መኽሰብ ዘለዋን ናይ ወፍሪ ሃዋህው
ምዃና እውን ከም ዘጉልሕ ዘርኢ እዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ ጉግል ትማሊ ሰኑይ ነቲ ብማእከል ዳታ ዝፍጠር ልዕሊ ዓቐን ሙቐት ናብ መርበብ ምውዓይ ኣውራጃ ሃሚናን ኢነርጅያ
ምትሕልላፍ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ። ኣብቲ መሳለጥያ ዝፍጠር ሙቐት ኣስታት 80 ሚእታዊት ጠለብ እቲ ከባቢ ዘዕግብ ኮይኑ፡
ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ሚዛን ጸዓት እታ ከተማ ጽልዋ ክህልዎ ክጅምር እዩ። እቲ ሙቐት ናብቲ ናይ ኮሙን ጸዓት
መገልገሊ ብነጻ ክቐርብ ምዃኑን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ባህርያዊ ነዳዲ ኣዝዩ ጽግዕተኛ ዝኾነ ዞባ ስድራቤታት፡
ኣብያተ ትምህርትን ህዝባዊ ህንጻታትን ንምውዓይ ክውዕል ምዃኑ ን “ቢዝነስ ፊንላንድ” ብምጥቃስ ማዕከን ዜና “ሄልሲንኪ
ታይምስ” ጸብጺባ’ላ።