ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ግርጭት ምስ ዝፍጠር ዝሽምግል ናጻ መንጎኛ ኣብ ክንክን ጥዕና ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምስምማዕ ኣመልኪቱ
መፍትሒ ዝበሎ ሓሳባት ንውድባት ከቅርብ ምድላዉ ምንጭታት ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢሮም። እዚ ድማ ማሕበር
ሰራሕተኛታት ቫርድ ፎርቡን ደትን ኣስራሕትን ፍታሕ ንምርካብ ልዝብ ክጅምሩ ዝወስድዎ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ከምዚ
ዝበለ ተበግሶ ክውሰድ እቲ ግጭት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝጅምር ንደሓር ንፈለማ እዋን እዩ። እቲ እማመ እንታይ
ከምዘጠቓልል ዛጊት ኣይተፈልጠን፡፡ እንተኾነ ግን ሕመረት እቲ ጒዳይ ዝሓጸረ ናይ ስራሕ ሰሙን ክህሉ ዝብል እዩ። እዚ እናኾነ–
–
ኣብ ፓርላማ ሽወደን ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ውድባት እቶም ሓሙሽተ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ጽላት ሕርሻ ዝፍኖ በካሊ ጋዝ ንምንካይ
ሓድሽ ሕግታትን ስርዓታትን ከጽድቕ ከምዝደልዩ ብ ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ሰልፍታት ማሕበራዊ
ዲሞክራሲ፡ ሊበራል፡ ጸጋም፡ ማእከልን ሓምለዋይን ነዚ ክድግፉ እንከለዉ – እተን ሰለስተ ሰልፍታት የማን ሞደራትና፡ ክርስትያን
ዲሞክራስን ዲሞክራትናን ኣንጻሩ ቆይመን እየን።
እቲ ሓድሽ ሕግታት ምስ ገንዘባዊ ደገፍ ክመጽእ ኣለዎ ክብሉ እቶም ዝድግፉ ወገናት ክዛረቡ እንከለዉ፡ እቶም ተቓወምቲ ድማ
እቲ ብዙሕ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ድሮ ከቢድ ተጽዕኖ ይገብር ምህላዉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።