ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ሽወደን – Vårdförbundet – ን 2000 ኣባላትን ሆስፒታላትን ዝጸሉ ኣድማ ኣመልኪቱ ን 5 ዞባታት
ምትሕስሳቡ ተገሊጹ። እዘን መጠንቀቓታ ተዋሂብወን ዘለዋ ዞባታት ስቶክሆልም፥ ቨስትራ ያምትላንድ፥ ስኮነ፥ ኦስተር
ያምትላንድን ቫስተርቦርተንን እየን። እቲ ማሕበርን ኣስራሕትን ብፍላይ ንሰራሕተኛታት ዝሓጸረ ናይ ስራሕ መዓልታት ይወሃቦምዶ
ኣብ ዝብል ኣብ ሓድሽ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣይበጽሑን። ድሮ ክኢላታት ሬድዮሎጂ፥ ነርስታት፥ ተንተንቲ ባዮሜዲካልን ዝርከብዎም
68 ሽሕ ኣባላት ተወሳኺ ሰዓት ንምቊራጽ ድሉዋት ከም ዘለዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።