ኣሙን ዓብደላሂ ዝተባህለት ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ነበር ኣብ ሶማልያ ከምዝተቐትለ ተገሊጹ። ምንጭታት ሬድዮ ሽወደን ከም
ዝሕብርዎ፡ ኣሙን ዓብደላሂ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሶማል— ሞቓድሾ—ኣብ እትርከብ ከተማ ብሓያሎ ኣፎምን
ኣፍንጫኦምን ዝተጎልበቡ ሰባት እያ ብጥይት ተቐቲላ። ጓል ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ኣሙን ኣብ ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ሬድዮ ሽወደን
ሰሪሓ እያ። ኣብ 2010 ድማ ንዝኽሪ ኣና ፖሊትኮ ቭስካያ ኣብ ዝዕደል ሽልማት ናጽነት ምዝራብ ብ ማሕበር ፓብሊሲስት ሽወደን
ተዋሂባ ኔራ እያ።