ብ G7 ዝፍለጣ ሃብታማት ሃገራት ዓለምና፡ ነተን ትሑትን ማእከላይን ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ዝኸውን፡ ሓደ ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ሓገዝ ክህባ ተመባጺዐን ክትብል እታ ነዚ ናይዚ ዓመት ናይ G7 ኣኼባ ተአንግድ ዘላ ሃገረ ብሪጣንያ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ቅድሚ እዚ ኣኼባ፡ ኣሜሪካ፡ ነተን ትሑትን ማእከላይን ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ዝኸውን፡ ብመንገዲ ማዕከን ክታበት ኮቫክስ ኣቢሉ፡ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትሕግዝ ምዃና ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ፡ ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ ብወገና፡ 100 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትሕግዝ ምዃና ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ገሊጻ።
እዘን ሃገራት ብውልቀን ዝሓበረኦ መጠን ሓገዝ፡ ኣብቲ ጠቕላላ ቁጽሪ፡ ማለት 1 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ እቱው ድዩ ኣይኮነን፡ ዝተሓበረ ከምዘየለ እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።