እቲ ንነዊሕ እዋን እምነ ኩርናዕ ሃገራዊ ሓበን ፊንላንድ ኮይኑ ዝጸንሐ ጽቡቕ መነባብሮን ህይወትን፡ ካብ ምጅማር 2020ታት ጀሚሩ ርኡይ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ብካሌቪ ሶርሳ ፋውንዴሽን ዝተዘርግሐ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ፊንላንድ ኣብ 2024 ዝነበረ ዘይምዕሩይነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ እቲ ጸብጻብ፡ ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ዓለማውን ውሽጣውን ቅልውላዋት ኣብ ሓጎስን ሓፈሻዊ ዕግበትን ፊንላንዳውያን ዓሚቝ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘሕደረ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያት እታ ሃገር ዘሰክፍ ጽልዋ ከምዘሕደረን ይሕብር።
እቲ መጽናዕቲ፡ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ከምኡ’ውን ከም ውጽኢቱ ዝሰዓበ ወሰኽ ዋጋ መነባብሮ፡ ብሓባር ኣብ ሓፈሻዊ ጽቡቕ ሂወት ህዝቢ ሓያል ምንቁልቋል ክኽሰት ኣበርክቶ ከምዝገበሩ የጉልሕ። ንዓሰርተታት ዓመታት ብታሪኽ ልዑል ዝኾነ ዕግበት ፊንላንድ ብህይወት በዞም ምኽንያታት ምውራድ ኣርእዩ’ሎ፡፡ እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ኣብ ቀረባ ታሪኽ ዝተራእየ ርኡይ ምንቊልቋል ምዃኑ ተገሊጹ። እቲ ብ15 ተመራመርቲ ዝተጻሕፈን ኣብ 7 ጽሑፋት ዝቐረበን እዚ ጸብጻብ፡ ኣብ ፊንላንድ ንዘሎ ዝተፈላለየ መዳያት ዘይምዕርዩነት ዝምርምር እዩ። እዚኦም ድማ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ እቶት ስድራቤት ዝመጽእ ለውጢ፡ ጽልዋ ጾታን ዕድመን፡ ምውህሃድ ስደተኛታት መንእሰያት ምስ ሕብረተሰብ ፊንላንድ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ለውጢ እቶት ዝብሉ ይርከብዎም።
“ኣብ ሓደ እዋን ዝፍጠሩ ብድሆታት ብጻዕቂ ሳዕቤናት ዘሕደሩሉ እዋን ኢና ንነብር ዘለና። እዚ ድማ ኣብ ጽቡቕ ሂወት ኣሉታዊ ጽልዋኡ ይንጸባረቕ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ቅልውላዋት ንዋጋታት መነባብሮ ኣዕብዩዎን ንመጻኢ ጽላሎት ኲናት ኣንቢሩን ይርከብ ኣሎ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ከም ዝነከየ እቲ ስታቲስቲክስ ኣጒሊሑ’ሎ” ክትብል ክኢላ ጒዳያት ዘይማዕርነትን ኣሰናዳኢት ናይቲ ጸብጻብን ዶክተር ኣና ራጃቩሪ ገሊጻ። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘሰንብድ ዳህሳስ እዚ መርመኣ ካብ ፕሮፌሰር ሚኮ ኒሜላን ተመራማሪ ዶክትሬት ማርኩስ ላኒነን ካብ ዩኒቨርሲቲ ቱርኩን ዝተገብረ ትንተና ዝመጸ እዩ።
“እቲ ዝዓበየ ምንቁልቋል ሓጎስ ድሕሪ እቲ ለበዳ እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ዩክሬን ዝተኻየደ ኲናትን ምውሳኽ ወጻኢታትን ሓዊሱ ብዙሓት ቅልውላዋት ውህሉል ጽልዋ ከምዘሕደረ ብንጹር ይርአ’ሎ” ክብል ኒሜላ ኣመልኪቱ። እቶም መጽናዕትታት፡ ቁጽሪ ናይቶም መጠን ሕጒስ ህይወት ሰባት ምጒዳሉ ይሕብር። ቊጽሪ ናይቶም “ኣዝዩ ሳሕቲ ወይ ፈጺሙ” ሕጉስ ዝስምዖም ሰባት ካብ ትሕቲ 8% ኣብ 2020 ናብ 12.5% ኣብ 2022 ወሲኹ’ሎ። ብሓፈሻ ሓጎስን ዕግበት ህይወትን ኣብ ኩሎም ዲሞግራፊካዊ ጉጅለታት ምንካይ ኣመዝጊቡ’ሎ። ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ዝረአ ዘሎ ብርቱዕ ምንቁልቋል ጽቡቕ ሂወት ኣብዚ ተጠቃሲ እዩ።
“ኣብ መንእሰያት ዘሎ ተርእዮ ቃዝኖት ብዕቱብ ክውሰድ ኣለዎ። ዝተፈላለዩ ጸገማት ናብ ምውህላል ከስዕብ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ምስ ግዜ ንምፍታሑ እናኸበደን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትትን ይኸውን እዩ። እዞም ጉዳያት ብፋይናንሳዊ ፍታሕ ጥራይ ክእረሙ ኣይክእሉን እዮም፡ ምጉዳል ውሕስነት ድማ ነቲ ኩነታት ከጋድዶ ተኻሎ ኣለዎ” ክትብል ላኒነን ኣጠንቂቓ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ምንቁልቋል ጽቡቕ ሂወት፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ፊንላንድ ሰፊሕ ስርዓታዊ ጉዳያት ከምዘሎ ዘመልክት ኮይኑ፡ ኩለመዳያውን ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎን ፍታሕ ዝሓትት እዩ—ብመሰረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”