ፊንላንድ ካብ 1 ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ፡ ዕዉት ውህደት ንምድንፋዕ፡ ዜግነት ንምርካብ ዘድሊ ናይ መንበሪ ግዜ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ናብ ሸሞንተ ዓመት ከተናውሖ እያ ተባሂሉ። ኣብቲ ዕለት ወይ ድሕሪኡ ዝቐርብ ናይ ዜግነት መመልከቲታት ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ፡ ብቕዓት ቋንቋን ነዊሕ እዋን ምቕማጥን ኣብ መስርሕ ናቹራላይዜሽን ቀንዲ ረቛሒታት ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ሓደ ካብቲ ኣብቲ ሕጊ ዝተኣታተወ ለውጢ፡ እቲ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ፊንላንድ ብሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ዘሕልፍዎ ግዜ ጥራይ ናብቲ ዝድለ ናይ መንበሪ ግዜ ከም ዝቑጸር ዝገልጽ ሓድሽ ሕጊ እዩ። ናይ ዕቚባ መመልከቲኻ ንምጽባይ ብዘይ ፍቓድ መንበሪ ዝሓልፍ ግዜ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብዚ ረቛሒታት ኣይክሕወስን እዩ። ንስደተኛታት ወይ ካልኦት ኣህጉራዊ ሓለዋ ዝተዋህቦም ሰባት፡ ሕጂ ካብታ ቀጻሊ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም መዓልቲ ጀሚሩ ናይ መንበሪኦም ግዜ ክሕሰብ እዩ ተባሂሉ’ሎ—ብመሰረት ጸብጻብ ሄልሲንኪ ታይምስ
ብኻልእ ዜና—ሕብረት ኣውሮጳ ኢራን ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ ሩስያ ኣሰጋጊራ ብዝብል ክሲ ንምክትል ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገርን መንገዲ ኣየርን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ደርዘን ኢራናውያን ውልቀሰባትን ትካላትን እገዳ ከምዘንብረ ኣፍሊጡ። ባይቶ ኤውሮጳ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 7 ውልቀሰባትን ክንድኡ ዝኮኑ ትካላትን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጠቕሚ ዝውዕሉ ኣጽዋርን መሳርሕታትን ናብ ሞስኮ ኣብ ምስግጋር ብምስታፎም፡ እገዳ ንብረትን መገሻን ክግበረሎም ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ነቲ እገዳ ብሓጎስ ተቐቢላቶ። ቮን ደር ሌየን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ “ስርዓት ኢራን ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን እትገብሮ ዘሎ ደገፍ ቅቡል ኣይኮነን፡ ደው ክብል ድማ ኣለዎ” ኢላ’ላ።