ኣብ 2024 ኣስታት 1.8 ሚልዮን ወጻእተኛታት በጻሕቲ ናብ ፊንላንድ ናይ ሓጋይ መገሻ ክገብሩ ትጽቢት ከምዘሎ YLE ጸብጺቡ። ሓላፊት “ቪዚት ፊንላንድ” ካታሪና ዋኮነን ዝሓለፈ ወርሒ ምስቲ ህዝባዊ ፈነወ ኩባንያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ቁጽሪ በጻሕቲ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ሓጋይ ብኣስታት 10 ሚእታዊት ክውስኽ ምዃኑ ግምታ ሂባ’ላ። እቶም በጻሕቲ፡ ኣብ መንጎ ሰነን ነሓሰን ኣስታት 1.4 ቢልዮን ዩሮ ኣብ ኣገልግሎት መንበሪ፡ ቤት መግቢ፡ ባህላውን ተመኩሮን ከውጽኡ ትጽቢት ከምዘሎ ካታሪና ወሲኻ ገሊጻ። ብማእከላይ ገምጋም ወጻእተኛ በጻሒ ኣብ ፊንላንድ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ለይቲ የሕልፉ። እታ ሃገር ግን ኣስታት ሸውዓተ ሚእታዊት ናይቲ ናብ ኖርዲክ ዝኸይድ ዋሕዚ ቱሪዝም ጥራይ ከም እትሕዝ ዋኮነን ይዛረብ።
“ቱሪዝም ሓጋይ ክዓቢ ሕጂ’ውን ተስፋ ኣሎ” ትብል። ኣብ ፊንላንድ ዝካየድ ውድድር ንበጻሕቲ ወጻኢ ሃገራት ጽዑቕ እኳ እንተኾነ፡ ኣህጉራውያን ኩባንያታት ጉዕዞ ብቐጻሊ ሓደስቲ መዳረግቲ ቦታታት ይደልያ ከምዘለዋ ኣመልኪታ። ፊንላንድ ብ ጸሓይ ፍርቂ ለይቲን ብተዛማዲ ዝሑል ክሊማ ሓጋይን ኣብዚ ጽላይ ዘለዋ ብጽሒት ክትውስኽ ትኽእል እያ–ብመሰረት ጸብጻብ “ኤልሲንኪ ታይምስ”