ልዕሊ 20 ሽሕ ዋና ኣልቦ ደማሙ ፈቐዶኡ ኣብ ፊንላንድ ምህላወን፥ በዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ድሕነት እንስሳታት ሽግራት ከም
ዘለዋ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ። እዞም ደማሙ ናይተን ከይራብሓ መታን ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን ዘይተገብረለን ደማሙ ውላድ
ምዃኖም፥ ፈቖዶኡ ብናጻ ክዛወሩ ከም ዝረኣዩን፥ እዚ ድማ ቊጽሪ ናይቶም ካብ ቊጽጽር ሰብ ወጻኢ ዝኾኑ እንስሳታት ኣጸቢቑ
ክውስኽ ምግባሩ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኪሱሪ ዝተባህለ ፊንላንዳዊ ማሕበር ምክልኻል ድማሙ፡ ነዞም ተቓላዕቲ ደማሙ ብምድሓንን ናብ ገዝ ክኣትዉ ብምግባርን ነዚ
ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ መሪሕ ተራ ወሲዱ ዝጸንሐ እዩ። ይኹን እምበር፡ ጠለብ ኣገልግሎቶም ካብቲ ዘሎ ጸጋታት ኣዝዩ ዝዛይድ
እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብዞም ደማሙ ብመጻወድያ ተጠቒሞም ብውድባት ምክልኻል እንስሳታት
ክተሓዙ ይግበር እዩ። ይኹን እምበር ነዘን ደማሙ ምድሓን ቀሊል ዕዮ ኣይኮነን። ንጨንፈር ኡሲማ ኪሱ ሪ እትመርሕ ሄና
ቩኦረንማ ከም ዝበለቶ እንተኾንኑ፡ “ነዞም ደማሙ ዋና’ኦም ምስ ዝርከብ፡ ፡ እታ ዱ ዋላ’ውን ፋሉል ኮይና እናሃለወት ናብ
ትካል ሓለዋ እንስሳታት ኣሕሊፋ ክህብዋ ኣይደልዩን እዮም” ትብል።
እዚ ኣታሕዛ ገለ እፎይታ ከምጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፥ ኣንስትዮ ደማሙ ብናጽነት ከይዘውራ ዝኽልክል እዩ። ኣብ ክሊኒክ
እንስሳታት ኤቪደንስያ ላውማ ሓኪም እንስሳታት ማሪት ኦስትሮም፡ ኣገዳስነት እዚ መስርሕ ኣስሚራትሉ። “ወነንቲ ድሙ
ድሙታቶም ከም ዝመከኑ ምርግጋጽ ወሳኒ’ዩ። ፍርያም ዝኾነት ኣንስተይቲ ድሙ ብናጽነት ክትዘውር እንተተፈቒዱላ፡ ክትጠንስ
ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ኣንስተይቲ ድሙ ገና ጓል 3.5 ወርሒ ኣብ ጾታዊ ብስለት ክትበጽሕ ትኽእል እያ፡ ክትወልድ ድማ ትኽእል
እያ።” ትብል።