ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (NCP) ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ፊንላንድ ዋላ ኣዘራራቢ እማመ ጸጥታ ዶባት እንተጸደቐት ብግዝኣተ ሕጊ እትፈለጥ ሃገር እያ ክብል ገሊጹ። ፊንላንድ ዘጽደቐቶ ሕጊ ዶባት ብብዙሓት ምሁራት ሕጊ፡ ንሕገ መንግስቲ፡ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳን ኣህጉራዊ ውዕላትን ዝጥሕስ እዩ ክብል ብዙሕ ነቐፌታ በጺሕዎ እዩ
“ፊንላንድ ድሕሪዚ’ውን ሓያልን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝሓየላ ግዝኣተ ሕጊ ዘለወን ሃገራት ኮይና’ያ ትቕጽል ዘላ” ክብል ኣብ ቤት ምኽሪ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተማጒቱ’ሎ።
“ዘውጻእናዮ ጊ ዶባት ንቅዋምና ዝጥሕስ ኣይኮነን። ክልተ ግዜ ገምጋም ኮሚተ ሕጊ ቅዋም መርሚሩ ዘሕለፎ ህጹጽ ተግባር’ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። “ግዝኣተ ሕጊ ዘለዋ ሃገር ንርእሳ፡ ንድሕነታ፡ ንውሕስነት ዜጋታት ናይ ምክልኻል መሰልን ግዴታን ኣለዋ” ክብል ድማ ብኣጽንኦት ኣተሓሳሲቡ።
እቲ እማመ መንግስቲ ምስ ፕረዚደንት ብምምኽኻር ኣብ ሃገራዊ ዶባት ወይ ኣብ ከባቢ ዶባት ንዝቐርብ ሕቶ ዑቕባ ምቕባል ደው ከብሎ ዘኽእሎ ኮይኑ፡ ን ስደተኛታት ከም ኣጻውር ናይ ምጥቃም ሜላ ሃርኣት ወጻኢ ንምቕልባስ ዝዓመለ እዩ። ሓለውቲ ዶብ ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቶም ብመሰረት ጽማቕ ገምጋሞም ብፍላይ ተቓላዕቲ ዘይኮኑ ኣመልከትቲ ዑቕባ ክመልሱ ክኽእሉ እዮም። እቶም ዝተመልሱ ስደተኛታት ነቲ ውሳነ ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክብሉ ዕድል ኣይክህልዎምን እዩ።
“እዚ ንሩስያን መሻርኽታን ፊንላንድ ድሕሪ ድሕነት ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንጸጥታኣ ባዕላ ትከታተል ዝብል ሓያል መልእኽቲ ዘምሃላልፍ እዩ” ክብል ኦርፖ ርእይቶኡ ሂቡ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሪ ራንታነን (ፒኤስ) ብተመሳሳሊ እቲ እማመ ምሕላፉ እታ ሃገር ብዛዕባ ዶባታ ውሳነታት ክትወስድ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘመልክት እዩ ክትብል ገሊጻ’ላ።
“እዚ ዓይነት ናይ ጸቕጢ ሜላታት’ውን ክንጻወር ኣይንኽእል ኢና። ብዛዕባ ጉዳይናን ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእስና ዶባትን ብናጻ ክንውስን መሰልና እዩ። ናይ ሎሚ ሕጊ’ውን ነዚ ዘህጒልሕ’ዩ” ክትብል ርእይቶኣ ሂባ’ላ።