ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ብ 31 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እታ ሃገር ኣብ 2023 ብድምር 550,183 ቆልዑ ዘለወን ስድራቤታት ከምዘለዋን፡ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ 1,851 ምንካዩን ዘመልክትን እዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ስድራቤታት 992,502 ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሓዊሱ ብድምር 2,028,458 ሰባት ዝሓቖፉ ኮይኖም፡ – እዚ ድማ ካብቲ ናይ ዓሚ ብ10,592 ዝወረደ እዩ።
ኣብ ትካል ምርምር ህዝቢ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ቨንላ በርግ፡ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ምስ YLE ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ነቲ ኣዝዩ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ወሊድ ንምምካት ሰፊሕ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዓ’ላ፡፡ ንሳ፡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ቅድሚ መጠን ልደት ንቁጠባን ድሕነትን ቀዳምነት ናይ ምሃብ ዝንባለኦም ድሕሪ ምንቃፍ፡ ስሕበት ናይቲ ኩነታት ዝርድኡ ኣይመስሉን እዮም ኢላ’ላ። እቲ ምንካይ መጠን ወሊድ ናይ ገዛእ ርእሶም ውላድ ይደልዩ ድዮም ኣይደልዩን ብዘየገድስ፡ ንኹሎም ዜጋታት ጽልዋ ከም ዘለዎ ኣዘኻኺራ።
“እዚ ጸአም ባህሪ እዩ ዝኽሰት ዘሎ። ነዚ ምንቊልቋል መጠን ወሊድ ንምዝሕሓል ክንጽዕር ይግባእ” ክትብል ነቲ ህዝባዊ ፈነወ ትካል ኣተሓሳሲባ’ላ። “ብናተይ ኣረኣእያ፡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ድሕሪ ቅልውላው ክሊማ ከተኩሩሉ ዝግባእ ዝዓበየ ነገር’ዩ።”
ብምኽንያት ስደት ብዝሒ ህዝቢ ፊንላንድ ብቐጻሊ ምዕባይ እኳ እንተቐጸለ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣረጋውያን ካብ ቁጽሪ ኣብ ውዑይ ዕድመ ንእስነት ዝርከቡ ሰባት ክልዕል እዩ። እዚ ተርእዮ ኣብ መጻኢ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ሻቕላ የስዕብ ኣሎ፡ ነቶም ዓበይቲ ኣፍረይቲ መግቢ ዝኾኑ ማሕበረሰባት ገጠር ከም ዝጠፍኡ ብምብግባር ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ህጻናት ዘለወን ስድራቤታት ሽግር ክፈጥርን ጽምዋ ክበዝሕን ዝገብር እዩ ። ቁጽሪ ዝውለዱ ዕሸላት ብዝለዓለ ምንቁልቋል ዘጋጠመን ከባቢታት ፋይናንሳዊ ጸገማት ስለዘጋጥመን፡ ኣገልግሎት ክቕንሳን ቆልዑ ዘለወን ስድራቤታት ከባረራን ይግደዳ ኣለዋ።
“ብሓፈሻ ቁጽሪ ህጻናት ኣብ ሓጺር ግዜ ክሳብ 30–50% ክጎድል ይኽእል’ዩ፡፡ እዚ ተርእዮ መወዳእታ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሰብ ከምዘይህሉ ዝገብር እዩ” ክብል በርግ ኣጠንቂቑ። ነዚ ብዝምልከት ገሊኦም፡ ነዚ ንምቕልባስ ዝውሰዱ ስጉምትታት ክዕወቱ ተኽእሎ ከምዘየለ ይምጉቱ፡ በርግ ብቕድሚ ትማል ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መጠሓሳሰቢ ካብ ወሃብቲ ውሳነ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ትምህርቲ፡ ትካላዊ ክብርታትን ህዝባዊ ኣተሓሳስባን ለውጢ ክመጽእ ጸዊዑ’ሎ።
ወሃብቲ ውሳነ፡ ፀገማት ንምክልኻል ኣብ ህፃናት፣ መናእሰይ፣ ስድራቤታትን ትምህርትን ዝያዳ ወፍሪ ብምግባር ሓላፍነት ሕብረተሰብ ዝስከም ወለዶ ከዕብዩ ከምዘለዎም ኣገንዚባ። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ጒዳያት ጾታዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንሲን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ፍርያምነት ዘለዎ ጽልዋ እውን ከድህብ ይግባእ ተባሂሉ’ሎ።