እቲ ንነዊሕ እዋን ኣብቲ እናኸፍአ ዝመጸ ቁጠባ ፊንላንድ ዝነበረ እንኮ ዓወት ማለት ሽቕለት እናንቈልቈለ ይመጽእ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝወጸ ስታቲስቲክስ ከምዘመልክቶ፡ ዋላ’ኳ ኩነታት ስራሕ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምስ ዝተረፈ ቁጠባ ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ድልዱል ኲነታት እንተጸንሐ፡ ኣንፈት መጠን ሽቕለት ኣብ 20–64 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ካብ ዓሚ ኣትሒዙ ብዘገምታ እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ። .
“ሽቕለትካብቲ ዝለዓለ ደረጃኡ ቁሩብ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፡፡ እንተኾነ ግን ብተዛማዲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ እዩ ዝርከብ። እዚ ኲነታት ኣጋውሉ ንዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከንቈልቊል ምዃኑ ዘመልክት እዩ” ክብል ዋና ስነ-ቑጠባ ፈደረሽን ትካላት ፊንላንድ ጁሃና ብሮዘርስ ዝሓለፈ ሰንበት ንሄልሲንጊን ሳኖማት ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ።
ሓደ ካብቲ ንትንበያኡ ዝድግፍ መርኣያታት፡ ካብ ኮንፈደረሽን ኢንዱስትሪታት ፊንላንድ (EK) ዝወጸ ናይ መወዳእታ ርብዒ ዓመት ትንተና ምልመላ እዩ። እቲ ትንተና ኣብ ኢንዱስትሪ ህንጻ ዝነበረ ትሑት ነጥቢ ድሮ ከምዝተራእየ ዝሕብር ኮይኑ እቲ ትንተና ንኹሎም ዓበይቲ ዓውድታት ኢንዱስትሪ ኣሉታዊ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ግንቦት እቲ ምንቁልቋል ከምዝተቀላጠፈ ዝሕብር መረዳእታ ኣውጺኡ’ሎ። ድምር ደሞዝ ኣብ ውልቃዊ ጽላት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብ 2.3% ፡ ኣብ ጽላት ህንጻ ድማ ብ13.3% ከምዝነከየ ተገሊጹ። ኣብ መንግስታዊ ጽላት ግን እቲ ድምር ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ4.5 ሚእታዊት ከምዝወሰኸን እዚ ድማ ኣስራሕቲ መንግስታዊ ጽላት ገና ሰፊሕ ምጉዳል ሰራሕተኛታት ከምዘይገበሩን ዝሕብር እዩ።
መንግስቲ ኖርወይ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ምስ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ብምዃን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ቅድሚ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ካብ ዝምረጽ ንደሓር ዝሰርሖ ስራሕ ብምልዓል ኣመስጊኑ። ላዕለዎት ፖለቲከኛታት’ውን ባይደን ድሕሪ ኩሉ ዳግማይ ንምርጫ ንኸይወዳደር ዝወሰዶ ውሳነ ንኢዶም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዮናስ ጋህር ስቶረ፡ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከምዝደሊ ብንጹር ስለዝተረድአ፡ ባይደን ንሃገር ካብ ገዛእ ርእሱ ብምቕዳም ዝወሰዶ ውሳነ ኣዝዩ ከምዘኽብሮ ገሊጹ። ዕድሚኡ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኮቪድ ቫይረስ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ምግዳዱ ዝፍለጥ እዩ ።
“ብፍላይ ንዕኡ (ባይደን) ኣብ ኔቶ ንዝገበሮ መሪሕነት ከመስግኖ እደሊ” ዝበለ ስቶረ፡ ንባይደን ሓደ ካብቶም ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ዝፍለጡ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን ሓያሎ ኣገደስቲ ጽገናታት ዝደፍአ ፕረዚደንት እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።