ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኣልቶ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍቕሪ ንፍሉይ ከባቢታት ሓንጎል ብኸመይ ከም ዘንቀሳቕሱ ኣብ ምርዳእ ርኡይ
ምዕባለታት ኣመዝጊቦም ተባሂሉ። እቲ ምርምር ንሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍቕሪ ዝወሃብ ናይ ስነ-ኣእምሮ ግብረመልሲ
ዳህሲሱ’ሎ፡፡ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዘሎ ፍቕርን ጥቡቕ ዝምድናን፡ ንስርዓተ ምንቕቓሕን ባህታን ሓንጎልን ብምህናጽ ምስ
ማሕበራዊ መስርሕን ህይወትን ዝተኣሳሰሩ መዳያትን ከም ዝጸሉ እቲ ምርምር ዕላዊ ጌሩ’ሎ። እቲ መጽናዕቲ 55 ወለዲ ኣብ
ፍቕራዊ ዝምድናታት ዘሳተፈ እዩ ኔሩ። እዚ ምትእስሳር ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍቕሪ ንምልዕዓል ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ናይ ዝኽሪ ዓላላት
ብምልዓል፡ ንጥፈታት ሓንጎሎም ድማ ብማግኔቲክ ሪዞናንስ ኢሜጅንግ (fMRI) ተጠቒሞም ክዕቀኑ ድማ ተፈቲኑ። እቲ ውጽኢት
ከም ዘመልክቶ፡ ፍቕሪ ወለዲ ካብ ኩሎም ዝተመርመሩ ዓይነታት እቲ ዝያዳ ዝጸዓቐ ቦታ ከም ዝሕዝ ኣጣሊሉ’ሎ። ካልኦት
ዝተጽንዑ ዓይነታት ፍቕሪ፡ ጾታዊ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ኣዕሩኽ፡ ፍቕሪ ዘይፈልጦም ሰባት፡ ፍቕሪ እንስሳ ዘቤትን ፍቕሪ ተፈጥሮን
ይርከብዎም። እዚ ርኽበት ኣብ መጽሔት ሴሬብራል ኮርተክስ ብኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ፕረስ ተሓቲሙ ንኣንበብቲ በቒዑ’ሎ።
“ቅድሚ ሕጂ ንዝተፈላለያ ዓይነታት ፍቕሪን ምስ ሓንጎል ዘለዎ ምትእስሳርን ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝተገበሩ መጽናዕትታት
እዚ ዝሓሸ ኩለመዳያዊ መንጽር ዝህብ እዩ። ፍቕሪ ብ ስርዓተ ምንዛዕ ባህታ ኣቢሉ ፡ ሚድያል ፍሮንታል ኮርተክስ፡ ላተርያል
ኦክሲፒታልን ፕሪኩነስን የነቓቕሕ እዩ” ክብል ነቲ መጽናዕቲ ዘወሃሃደ ፈላስፋን ተመራማሪን ዶክተር ፓርቲሊ ሪነ ገሊጹ’ሎ።
ተመራመርቲ ዩሃ ላህናኮስኪ፡ ሄይኒ ሳሪማኪ፡ ሚከ ታቫስት፡ ሚኮ ሳምስን ሊንዳ ሄንሪክሰንን ዝሓቖፈ ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደ
ጉጅለ፡ ፍቕሪ ብዙሕ ዝተጻሕፈሉን ዝተቓነየሉን ተመኩሮ ደቂ ሰባት እኳ እንተኾነ፡ ንሓንጎልና ብኸምእይ ይጸለዎ ኣብ ዝብል ግና
ብዘገርም መንገዲ ትሑት መጽናዕቲ ከምዝተገብረሉ ኣመልኪቱ። ፕሮፌሰር ሳምስ ብወገኑ መሰረታት ፍቕሪ ብዝሓሸ ምርዳእ፡
ከም ጭንቀትን ዝምድናዊ ብድሆታትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶ ክህልዎ ከም ዝኽእል ሓሳብ
ኣቕሪቡ።