ዳርጋ ኩሎም ፊንላንዳውያን ዓሌትነት ፈጺሙ ቦታ ክወሃቦ የብሉን ዝብል መርገጺ እዩ ዘለዎም፡ እንተኾነ ግን ብዛዕባ ዓሌትነት ዝህብዎ ትርጉማት ብተዛማዲ ጽብብ ዝበለ ምዃኑ ብሰንበት ብፎረም ንግድን ፖሊሲን ፊንላንድ (EVA) ዝተሓትመ መጽናዕቲ ክብርታትን ኣተሓሳስባታትን ፊንላንድ ኣቃሊዑ። ዳርጋ ትሽዓተ ካብ ዓሰርተ (87%) ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኣብ ፊንላንድ ብዛዕባ ዓሌትነት ዘሎ ኣዝዩ ጥብቂ ሕጊ ዝልቕ እንተዝብል ኣገዳሲ ምዃኑ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ። ብተመሳሳሊ 55 ሚእታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ዓሌትነት ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ንእሽቶ ወይ የለን ኢሎም ከም ዝኣምኑ ሓቢሮም ኣለዉ። ብኣንጻሩ 40% ዝኾኑ ዓሌትነት ብመጠኑ ወይ ኣዝዩ ዓቢ ጸገም ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ። ብዛዕባ ክብደት እቲ ጸገም ዝምልከት ኣረኣእያታት ብፖለቲካዊ ምትእስሳር ኣዝዩ ዝተፈላለየ ምዃኑ ኢቫ ኣጉሊሑ’ሎ። ደገፍቲ ጸጋማይ ኪዳን ብ 87%፡ ግሪን ሊግ ብ 81% ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ኸኣ ብ 73% ዓሌትነት ከም ዓቢ ጸገም እዮም ዝርእይዎ። ብኣንጻሩ ደገፍቲ ሰልፊ ፊንላንድን ሃገራዊ ጥምረትን፡ ብ5ን 23ን ሚእታዊት–ብዝወሓደ መጠን ጸገም እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ቤጂንግ ካብ 4 ክሳብ 6 መስከረም ዝካየድ ዋዕላ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን (FOCAC) 2024 ኣብ እተአንግደሉ ዘላ እዋን፡ ብዛዕባዚ ጒባኤ ዘሎ ትጽቢት ልዑል ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ኣብቲ ብ 5 መስከረም ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት እቲ መድረኽ ተረኺቡ ቀንዲ መደረ ኣስሚዑ እዩ። ሺ ድሮ ምስቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፍ ዘሎ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ምርኻቡ እውን ተፈሊጡ።
ኣብዚ ዋዕላ፡ ሺ ንመራሕቲ ኣፍሪቃውያን ኣባላት ፎካክን ወከልቲ ዝምልከቶም ኣፍሪቃዊ ዞባዊ ትካላትን ኣብቲ ዋዕላ ዝተዓደሙ ኣህጉራውያን ትካላትን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ጽንብልን ክልተኣዊ መደባትን ከአንግድ እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ብዓቢኡ ዝማዕበለ ሽርክነት ቻይናን ኣፍሪቃን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምትሕብባር ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ምዕራፍ’ዩ። እቲ “ምትሕብባር ዘመናዊነት ንምስጓምን ሓባራዊ መጻኢ ዘለዎ ላዕለዋይ ደረጃ ማሕበረሰብ ቻይናን ኣፍሪቃ ንምህናጽን” ዝብል ቴማ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝመጹ መራሕቲ፡ ምስ ወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ኣህጉራዊ ትካላት ክስሕብ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።