ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመተ 2024 ኣብ ፊንላንድ ሽቕለት ኣልቦነት ይውስኽ ምህላዉ፥ እዚ ድማ ብሰንኪ ዝሕቱል ቁጠባዊ ዕብየትን
ኣብ ጽላት ህንጻ ብዝረአ ዘሎ ብድሆታትን ዝተደረኸ ምዃኑ ፡ ኣብ ፔለርቮ ኢኮኖሚክ ሪሰርች (ፒቲቲ) ላዕለዋይ ክኢላ ስነ-ቑጠባ
ሄና ባስክ ገሊጻ። ኣብ ቀረባ እዋን ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓይሊ ዕዮ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ መስከረም 2024
ዝነበረ ሽቕለት ኣልቦ ሰባት ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር ብ30 ሽሕ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። መጠን ሽቕለት 15–64 ዝዕድሜኦም
71.9% ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 15–74 ዓመት ዝዕድሚኦም ድማ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 8.4% ነይሩ።
“ዕዳጋ ሽቕለት ነቲ ኣብ ቁጠባዊ ትንበያ ቀውዒ ዝገመትናዮ ዘንጸባርቕ እዩ። ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብሰንኪ
ምዝሕሓል ቁጠባዊ ዕብየትን ቀጻሊ ድኹም ኩነታት ጽላት ህንጻን ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።፡ እዚ ድማ ክሳብ 2025 ክቕጽል
ይኽእል እዩ” ይብል ቡስክ።
ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ምንቁልቋል ስራሕ ዝረአ ኮይኑ፡ ጽላት ቸርቻሮ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝህሰዩ እዩ። ኣብ መንጎ ሓምለን
መስከረምን፡ ስራሕ ችርቻሮ ምስ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ11 ሽሕ ምንቁልቋሉ፡ እዚ ድማ ቀጻሊ ድኽመት
ውልቃዊ ሽመታዊ ሃልኪ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ሓደ እወታዊ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ዕድመ ስራሕ ዝበጽሐ ህዝቢ
ፊንላንድ ርኡይ ዕብየት ምርኣዩ እዩ፡፡ እዚ ድማ ብዓቢኡ ብሰንኪ ምውሳኽ ዓቕሚ ስደት ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ካብ ስራሕ ዕድመ
ስራሕ ዘሎ ምዃኑ እዩ።