ሚኒስተር ትምህርቲ ፊንላንድ ኣንደርስ ኣድለርክሩትዝ (SFP)፡ ቅዋም እታ ኣብ ፊንላንድ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሞባይል ቴሌፎን ኣብ ኣገልግሎት ንኸይክልከል ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።
“ኣነ ክኢላ ሕገ መንግስታዊ ሕጊ ኣይኮንኩን፡ እንተኾነ ግን ሓለዋ ንብረት ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ቅድመ-ኩነት ንምርዳእ የጸግመኒ እዩ። ኩሉ ዓይነት ንብረት ኣሎ። [ሞባይል] ብፍሉይ ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ዝኣቱ ንብረት ምዃኑ ዝገልጽ ኣሎ?” ክብል ዝሓለፈ ሰኑይ ምስ ሄልሲንጊን ሳኖማት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቲቱ።
“ንዓይ ዘይተለምደ ትርጉም ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፡ ብርግጽ ግን ኣብዚ መዳይ’ዚ ክኢላታት ክንሰምዕ እዩ ዝግባኣና”
ኣድለርክሩትዝ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (ኤንሲፒ) ምስ መደብ መንግስቲ ብምስምማዕ፡ ኣብ ምዝዛም እዚ ዓመት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምጥቃም ሞባይል ንምድራት ዝዓለመ እማመኡ ከቕርብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ።
ዝርዝራት ናይቲ እማመ ዛጊት እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ነቲ ህሉው፡ ብመጠኑ ምድንጋር ፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምንጻር ከምዝጽዕር ነታ ጋዜጣ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መምህራን ሞባይል ቴሌፎን ካብ ተማሃራይ ክምንዝዑ ዝኽእሉ እቲ ተማሃራይ ኣብ ምስትምሃር ሽግር ብዝፈጥር መንገዲ እንተተጠቒሙላ ጥራሕ እዩ። ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ገዲፍካ ኣብ ክፍሊ ሞባይል ምጥቃም ክኽልክላ ይኽእላ እየን ተባሂሉ’ሎ።
ፊንላንድ ብያታ ልዑል ደረጃ ክኢላዊ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ሃገር ምዃና፥ ይኹን እምበር ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ተመሳሳሊ ገዚፍ ትካል ስለዘይተቐልቀለ፡ “ቀጻሊ ኖክያ” ክኽሰት ዝብል ሓሳብ ኸንቱ ኮይኑ’ሎ ክትብል ማዕከን ዜና ሄልሲንኪ ሳኖማት ገሊጻ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፊንላንድ ሓያሎ መሰጥቲ ናይ ቴክኖሎጂ ጅምራት ምህላዉ፥ ምናልባት እቲ ዝያዳ ዝፍለጥን ዝዓበየን ድሮ ንዋንነት ወጻእተኛታት ዝተሸጠ ዎልት ሓደ ካብዚኦም ምዃኑ፥ ናይቲንገልን ሶላር ፉድስን ከኣ ልዑል ዓለምለኻዊ ተገዳስነት ረኺቦም ምህላዎም ተሓቢሩ’ሎ።
ካብ 2 መስከረም 2024 ኣትሒዛ ፊንላንድ ኣብ ብቕዓት ረቛሒታት ሓገዝ ሽቕለት ኣልቦነት ርኡይ ለውጢ ከተተግብር ምዃና ይግለጽ ኣሎ። እዚ ድማ ውልቀሰባት ምስ ኣታዊታት ዝተኣሳሰር መዓልታዊ ኣበልን መሰረታዊ ኣብል ሽቕለት ኣልቦነትን ንኽረኽቡ ዝያዳ በዳሂ ክገብሮ እዩ።
እዚ ብባይቶ ፊንላንድ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቲ ናይ ስራሕ ጠለብ ካብ 6 ኣዋርሕ ናብ 12 ኣዋርሕ ዘናውሕ፡ ብቑዕነት ኣብ ክንዲ ኣብ ሰሙናዊ ሰዓታት ስራሕ፡ ን ወርሓዊ ኣታዊታት መሰረት ዝገበረ ሓድሽ ስርዓት ዘተኣታቱ እዩ ክትብል ማዕከን ዜና ሄልሲንኪ ታይምስ ጸብጺባ’ላ።