ትማሊ ሰሉስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ እትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ፖሊስ መኪና ዘምለጠ መሓመድ ዓምራ ንምድላይ ኣብ ኖርማንዲ
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ፖሊስ ተዋፊሮም ምህላዎም ተገሊጹ። "ዘ ፍላይ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓምራ፡ ኣብ ሩዋን ናብ ዝኻየደ
መጋባእያ ቤት ፍርዲ እናተጓዕዘ እታ መኪና ፖሊስ ኣብ መኽፈሊ ጎደና ደው ምስ በለት ብኻልእ መኪና ግጭት ከም ዝወረዳ እዩ
ዝግለጽ ዘሎ። ብድሕሪኡ ዕጡቓት ናብታ መኪና ተኹሲ ብምኽፋት ክልተ መኮንናት ቤት ማእሰርቲ ቀቲሎም። ሚኒስተር ውሽጣዊ
ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን "ነዞም ገበነኛታት ንምርካብ ኩሉ መገድታት ይጥቀሙ" ምህላዎም ገሊጹ’ሎ።
ብቕድሚ ትማል ሰሉስ ኣስታት 200 ሓለዋ ጸጥታ ከምዝተዋደዱን ኣብ ወሰንቲ ቦታታት ምፍታሽ መካይን ይካየድ ከምዘሎን
ተፈሊጡ’ሎ። ዓቃቢ ሕጊ ክፍለ ኣውራጃ ፓሪስ ላውረ ቤኮው ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ትማሊ ሰሉስ ብኣቆጻጽራ እታ
ሃገር ቅድሚ ሰዓት 11፡00 እታ ዓምራ ዝጸዓነት መኪና ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ዞባ ዩረ ኣብ ዝርከብ ኢንካርቪል ነቲ
ናይ ክፍሊት መከላኸሊ ሓጹር ሰጊራ ብቕድሚኣ ደው ምባላ ገሊጹ። "ነዊሕ ብረት እተዓጥቑ ደቂ ተባዕትዮ ወሪዶም፡ ካልኦት
ዕጡቓት ድማ ተጸንቢሮሞም" ክብል ገሊጹ። ብድሕርዚ ናብታ መኪና ብዝሒ ዘለዎ ጠያይቲ ድሕሪ ምትኳስ መኮንናት ቀቲሎምን
ኣቚሲሎምን፡ ንዓምራ ካብቲ ሒዞሞ ምህዳሞም፥ እተን ዝተጠቐሙለን ክልተ መካይን ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፡ ትማሊ
ሰሉስ ተቓጺለን ከምዝተረኽባ ዓቃቢ ሕጊ ፓሪስ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ሚኒስተር ፍትሒ ፈረንሳ ኤሪክ ዱፖንድ-ሞሬቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓደ ካብቶም መኮንናት "ኣብ ውሽጢ ክልተ
መዓልቲ መበል 21 ዓመት ልደቶም ከብዕሉ ዝተሓሰቡ በዓልቲ ቤትን ክልተ ቆልዑን" ክገድፍ እንከሎ፥ እቲ ካልኣይ መዋቲ
መኮንን ከኣ ወዲ 34 ዓመት ኮይኑ፡ በዓልቲ ቤቱ ነፍሰጾር ምዃና እቲ ዓቃብ ሕጊ ወሲኹ ሓቢሩ።
በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ሰለስተ መኮንናት እውን ቆሲሎም እዮም–ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ።