ፈነወ በካሊ ጋዝ ኣብ 2023 ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ 2% ከም ዝነከየ ካብ ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ ሽወደን ዝተረኽበ መባእታዊ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። እቲ ምንካይ ኣብ ዓውድታት ኢንዱስትሪ፣ ኤሌክትሪክን ወረዳዊ መጠን ሙቐትን ብዝያዳ ነጺሩ ተራእዩ እዩ። ይዂንምበር እቲ ምንቁልቋል መጠን ፈነወ በካሊ ጋዝ ምስ 2022 ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ጽላት መጓዓዝያ ከምቲ ዝድለ ኣይነበረን፡፡ ብፍላይ ድማ ካብ ጽርግያ ወጻኢ ኣብ ዝንቀሳቐሳ ከም ማሽነሪታት፥ ትራክተራትን ክሬናትን ዝመሰላ ናውቲ ማሕረስ ዝወጽእ ፈነወ በኣክሊ ጋዝ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።
“እዚ ምጒዳል ፈነወ ብካሊ ጋዛት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ብዝያዳ ክትግበር ኣለዎ” ክትብል ኣብ ኤጀንሲ ሓለዋ ሓላፊት ኣሃዱ ሸቶታት ክሊማ ኣና-ካሪን ኒስትሮም ኣተሓሳሲባ’ላ