ክልተ መንእሰያት ዝቐዘፈ ዘስካሕክሕ ቅትለት ኣብ ማርሴይ ኣጋጢሙ። እዚ ገበን ነታ ንነዊሕ እዋን ምስ ውዱብ ገበናትን ሓሽሽን
ዝተኣሳሰር ጎነጽ ክትሳቐ ዝጸንሐት ፈረንሳዊት ከተማ ማርሴ ተወሳኺ ስንባደ ፈጢሩ’ሎ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ 14 ዝዕድሜኡ ኮተቴ፡
ንሓደ ወዲ 15 ዓመት ሕነኡ ክፈዲ ክብል ብጌጋ ንሓደ ዘዋር ታክሲ ምቕታሉ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ዓቃቢ ሕጊ ማርሴ ኒኮላስ
ቤሶነ፡ ነጋዶ ዕጸፋርስ እታ ከተማ “ብዘይ ንሕስያ” ሰባት ዝቐትሉሎም ብምባል ኮተቴ ይመልምሉ ኣለዉ ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።
ቤሶነ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቅትለት እቲ ወዲ 15 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ብ”ዲ.ዘይ ማፍያ”ን
“ጸለምቲ”ን ዝፍለጡ ጕጅለታት ዝተፈጥረ ቅርሕንቲ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፥ “ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣረሜናዊነት”
ክብል ገሊጽዎ’ሎ።
ብኻልእ ዜና—
-ቤት ፍርዲ ሩስያ 72 ንዝዕድሜኡ ኣሜሪካዊ፥ ንዩክሬን ተዓሲቡ ብዝብል ን 7 ዓመት ክእሰር ፈሪድዎ። ኣኽበርቲ ሕጊ
ከምዝበልዎ፡ ስቲቨን ጀምስ ሃባርድ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኢዝዩም ኣብ ዝመደበሩ ኣሃዱ ምክልኻል ኣገልጊሉ እዩ፡፡ ሞስኮ ኣብ
ልዕሊ ዩክሬን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምጅማራ ቁሩብ ጸኒሑ፡ ኣብ ሚያዝያ 2022 ብሓይልታት ሩስያ ከምዝተታሕዘ ገሊጾም።
ሃባርድ ብወገን ዩክሬን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ብምስታፉ “ብስርዓት ንዋታዊ ዓስቡ ከምዝተቐበለ” ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሩስያ ኣብ
ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ሕጂ ድማ ኣብ መቕጻዕቲ መግዛእቲ ን6 ዓመትን 10 ወርሕን ክእሰር ተፈሪድዎ ኣሎ። ተወላዲ ሚቺጋን
ዝኾነ ሃባርድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ክሲ ከምዝተኣመነ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ሓቢረን ኣለዋ።