Facebook፡ ምስ ኤጀንሲ ድሕነት ሳይበር ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሎም ኣባላት፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ከም እተዋፈሩ ብምግላጽ፡ ከም ዝሰረዞም ተገሊጹ።
ኤጀንሲ ድሕነት ሳይበር፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ከም እተመስረተ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ማዕከን ሓበሬታ ኣብቶም ይቃወሙኒ እዮም ዝብሎም ውድባት፡ ህወሓትን ኦነግን ናይ ሓሶት ሓበሬታ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ተዋፊሩ እዩ ጸኒሑ ክብሉ ጸብጻባት Facebook ይገልጹ። እታ ሃገር ምርጫ ከተካይድ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ተሪፍዋ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ እዚ ምስራዝ Facebook ዝፍጸም ዘሎ። መንግስቲ ዛጊት ዝኾነ ዓይነት ግብረመልሲ ኣይሃበን።