ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ባሕሪ ባልቲክ፡ ካብ ደሴት ኦላንድ ኣብ ዝርከብ ስብርባር መርከብ፡ ካብ 1800ታት ዝነበረ ኣስታት 100 ዘይተበላሸወ ጥርሙዝ ሻምፓኝ ተረኺቡ። እቲ ስብርባር ዝሓለፈ ሰሙን ብፖላንዳዊ ጉጅለ ጠለቕቲ ሓምበስቲ–ዳይቨርስ–ባልቲቴክ ከምዝተረኸበ ማዕከን ዜና ቲቲ ሓቢራ’ላ። ኣብቲ መትሓዚ ማይ ሶዳ ዝመልኡ ካይላ እውን እውን ረኺቦም ኣለዉ። እዚ እናኾነ፥ ሓደ ናይ ከባቢ ኣፍራዪ እንቋቑሖ ኣብ ሓደ ኣጉዶ ሳልሞኔላ ዝተባህለ ሕማም ቲፎ ዘስዕብ ባክቲርያ ድሕሪ ምርካቡ፡ ዕድጊ እንቋቑሖታት መርመራ ከም እተገብረሉ ይግለጽ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ካብቶም እንቋቑሖታት ኣሰር ሳልሞኔላ ኣይተረኽቦን፡፡ እንተኾነ ግን ናይ ጥንቃቐ ስጉምቲ ይወስዱ ከምዘለዉ ኣፍራዪ እንቋቑሖ ክሮናግ ይዛረብ። ኣብ ሱፐርማርኬታት ኢካ፡ ሊድልን ብኣክስፉድ ዝውነኑን ዝሽየጡ እንቋቑሖታት በዚ ተርእዮ ተጸልዮም ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።