ሚኒስተር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽወደን ካሚላ ዋልተርሶን ግሮንቫል እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት ዝጸሉ
ካብ ኣባይቲ ናይ ምውጻእ ስጉምትታት ክቕልብስ ንሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ሓላፍነት ሂባ። ኣብ 1990ታት ካብ ዝነበረ
ቁጠባዊ ምንቁልቋል ጀሚሩ ኣብ ሽወደን ቁጽሪ ካብ ኣባይቲ ክወጹ ዝግደዱ ሰባት ክሳብ ክንድti ከምዘይወሰኸ ሃገራዊ ትካል
ምኽፋል ዕዳ ክሮኖፎግደን ይሕብር። ብዙሓት ካብቶም ካብ ኣባይቶም ክወጹ ዝግበሩ ዘለዉ፥ ቆልዑ ዘለውዎም ስድራቤታት
እዮም። ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ መጥባሕቲ ካብ ዝገበራን ማህጸነን ብመጥባሕቲ ክእለ ዝተገብረን 33 ደቀንስትዮ ፡
እቲ መስርሕ ኣድላዪ ከም ዘይነበረ ከም እተነግረን ተፈሊጡ። እቲ ሆስፒታል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ናብ ምእላይ ማህጸን
ዘብጽሑ ሳምፕላት ዋህዮታት ብጌጋ ከምዝተመርመረ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።
“በቲ ዘጋጠመ ኣዚና ኢና ንሓዝን” ክብል ዋና ሓላፊ ሕክምና ዮሃን ሉግነጋርድ ገሊጹ’ሎ።