ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኖርወይ ዝነበረ ኣምባሳደር እስራኤል፡ ኖርወይ ንፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝነበራ መደብ ድሕሪ ምግላጻ፡ ዝሓለፈ ጽድያ ተቓውኡ ብምግላጽ ካብታ ሃገር ወጺኡ እዩ። እቲ ኣምባሳደር ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንብረቱ ንምውሳድ ከምዝተመልሰ ጋዜጣ “ኣፍተንፖስተን” ኣብዚ ሰሙን ጸብጺባ። እንተኾነ ግን ዝምድና ኖርወይን እስራኤልን ኣዝዩ ድኹም እዩ ብምባል ዝሓለፈ ሓሙስ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ’ሎ። እቲ ኣብ ኦስሎ ልክዕ ብድሕሪ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ስርሑ ክቕጽል እዩ፣ እንተኾነ ግና ብዘይ ኣምባደር እዩ ክኸውን።
እቲ ኣምባሳደር ነበር ንኣፍተንፖስተን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “መንግስቲ ኖርወይ ወገናዊ እዩ። ናብ ኖርወይ መምጽኢየይ ድልድል ንምሳሕ እዩ ኔሩ፥ እንተኾነ ግና ሕጂ ግን ስርሐይ ክሰርሕ ኣይክእልን’የ” ኢሉ።
ብምኽንያት እቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝፈጸመቶ ዕንወት፥ እቲ ኣምባሳደር ኣብ ውሽጢ ዲፕሎማስያዊ ኮር ኦስሎ ክምችኦ ከም ዘይክእል ፍሉጥ እዩ ኔሩ። ኣቭራሃይም ኒር ፡ ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ኦስሎ ብወግዒ ተቐባልነት ዝተገብረሉ ኣምባሳደር እስራኤል እዩ ኔሩ። እዚ እናኾነ—-ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብዙሕ ሰኢቪላዊ ህዝቢ ዝሃለቐሉ ምንባሩ ብምልዓል ኮኒኑ። እዚ ርእይቶ – ብወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝተዋህበ – ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባልያ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምክፍፋል መግቢ ብውሕዱ 10 ሰባት ብተኹሲ መዳፍዕ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ ።
ብኻልእ ዜና መራሕቲ ሸሞንተ ቀንዲ ፖለቲካዊ ውድባት ሽወደን ሰንበት ምሸት ኣብ ቴሌቪዥን ሽወደን SVT ቀጥታዊ ክትዕ ኣካዪዶም። ቀንዲ ኣርእስተ ጒዳይ እቲ ክትዕ ቁጠባ፡ ጸረ-ሴማውነትን ጽልኢ እስልምናን፡ ገበን ጕጅለታትን ኒዩክለራዊ ሓይልን እዮም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ውሑዳት ካብተን ውድባት ብፖለቲካዊ ክትዓት የካይዱ ዝነበሩ ኮይኖም፡ እቲ ክትዕ ኣብ ገለ ነጥብታት ኣዝዩ ርሱን ምንባሩ ሬድዮ ሸወደን ጸብጺባ’ላ