ድሕሪ’ቲ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ዘጋጠመ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ውድቀት፥ ዕዳጋታት ኣብ ሽወደን ሓዊሱ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ብመጠኑ ተመሊሶም ኣለው፡፡ ኣብ ኤስ.ኢ.ቢ ባንከኛ ኣመሪኮ ፈርናንዴዝ ሰባት በዚ ክስንብዱ የብሎምን ድሕሪ ምባል፥ ኣብ ዝገብርዎ ወፍሪ ብርኪ ነዊሕ ዝጠመተ ስትራቴጂ ኣተኲሮ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
”ኣብ ዕዳጋ ብርኪ ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎም ዓቢ ስንባደ ተተሰሚዕዎም እዩ” ይብል
ኣርማንድ “ሞንዶ“ ዱፕላንቲስ ዳግማይ ኣብ ውድድር ዝላ ወርወር (ፖል ቮልት) ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ ተዓዊቱ። ንሱ ትማሊ ምሸት 6.25 ሜትሮ ድሕሪ ምዝላል ናይ ባዕሉ ክብረወሰን ሰቢሩ’ሎ። ዱፕላንቲስ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ስታድዩም ብዙሓት ባንዴራታት ሽወደን ከም ዝረኣየ፡ ንሽወደን ብ ጽቡቕ ምውካሉ ድማ ሕጉስ ምዃኑ ይዛረብ።