ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብጆ ባይደን ምስተሳዕረ ኣብ ምርጫ 2020 ኢዱ ከእቱ ፈቲኑ ብዝብል
ሓድሽ ክሲ ኣቕሪቦም። ንሳቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ዝሃቦ ውሳነ ምላሽ ዝህቡ ኮይኖም፡
ፕረዚደንታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዘለዉሉ እዋን ብወግዓዊ ተግባራት ካብ ገበናዊ ክሲ ሰፊሕ ነጻነት ከምዘለዎም ይገልጹ። እቲ
ዝተመሓየሸ ክሲ ተመሳሳሊ ኣርባዕተ ገበናዊ ክስታት ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዘቐምጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ ከም ፖለቲካዊ
ሕጹይ ምስ ዘለዎ ደረጃ ዝተኣሳሰር እዩ። ትራምፕ – ብዘይ መርትዖ ኣብ ምርጫ 2020 ሰፊሕ ምትላል መራጽቲ ከምዝነበረ –
ዝሃቦ ክሲ እኳ እንተቐጸለ፡ ነቲ ክሲታት ምትእታትው ኣዋዲቕዎ’ሎ።
እዚ ብፍሉይ ኣማኻሪ ክፍሊ ፍትሒ ጃክ ስሚዝ ዝቐረበ ሓድሽ ክሲ፡ ነቶም ትራምፕ ዝተኸሰሰሉ ኣርባዕተ ገበናት ኣብ ቦትኡ
ዝገድፍ ኮይኑ፡ ንኣሜሪካ ንምትላል ውዲት ምፍጻም፡ ወግዓዊ መስርሕ ንምዕንቃፍ ውዲት ምፍጻም፡ ወግዓዊ መስርሕ ንምዕንቃፍ
ምፍታንን ኣንጻር መሰላት ዝግበር ውዲትን ዝብል እዩ። ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኩሉ ክስታት ገበነኛ ከምዘይኮነ ምግላጹ ዝፍለጥ
እዩ። ጠበቓ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር – ቶድ ብላንቸ – ኣብዝ ጒዳይ ርእይቶ ክህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ሓድሽ ክሲ “ንሓደ ‘ዝሞተ’ ከልቢ ንምትንሳእ ን “ህዝቢ ኣሜሪካ ካብ
ምርጫ ንምስሓብን ዝግበር ጻዕሪ” ብምባል ብትሪ ነጺግዎ’ሎ።
ብኻልእ ዜና ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ወተሃደራቱ ናብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ ምእታዎም ኣካል ናይቲ ኣብ ዝመጽእ
ወርሒ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዘቕርቦ “ውጥን ዓወት” ምዃኑ ገሊጹ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ ትማል ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ
መድረኽ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ዕዉትነት ናይቲ ውጥን ኣብ ፕረዚደንት ባይደንን ኣመሪካ ንዩክሬን “ኣብዚ ውጥን ትክቦን ትገድፎን፡
[ከምኡ’ውን] ነዚ ውጥን ክንጥቀመሉ ናጻ ክትገድፈና ድያ ወይስ ኣይኮነን” ዝምርኮስ እዩ ኢሉ።
“ንገሊኦም ኣዝዩ ህንጡይ ድሌት ክመስሎም ይኽእል’ዩ፡ ንዓና ግን ኣገዳሲ ውጥን’ዩ” ዝበለ ዘለንስኪ፡ ነቲ ውጥን ንኽልቲኦም
ሕጹያት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን’ውን ከምዘርእዮም ገሊጹ’ሎ።