ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ፔንስልቨንያ ኣብ ዘካየዶ ሰልፊ ብዛዕባ ፈተነ ቅትለት ንዝምልከት መርመራ ኤፍ.ቢ.ኣይ ቃለ መሕትት ክገብር ተሰማሚዑ። ኤፍ.ቢ.ኣይ ትማሊ ሰኑይ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ መገጺ፡ እቲ ቃለ መሕትት ዝካየደሉ ዕለት ኣይጠቐሰን፡፡ እንተኾነ ግን “ንዝኾነ ግዳይ ገበን እንገብሮ ንቡር ቃለ መሕትት” ክኸውን’ዩ ኢሉ። ፍሉይ ወኪል ኤፍ.ቢ.ኣይ ኬቪን ሮጀክ፡ “ኣብቲ ዝተዓዘቦ ጒዳይ ርእይቶኡ ክንረክብ ንደሊ” ኢና ኢሉ።
ዋላኳ ኣዝዩ ብዙሕ መርትዖታት ይርእዩ እንተለዉ፡ መርመርቲ ቶማስ ማቲው ክሩክስ ንምንታይ ብ13 ሓምለ ተኹሲ ከም ዝኸፈተ ኣብ ዝብል ገና ኣይወሰኑን።
ጆ ባይደን፡ ዕድመኻ ምሉእ ምስራሕ ምእላይ ንዝብል ሓዊሱ ሰፊሕ ጽገናታት ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ “ጥሩፍ ርእይቶታት” ክብል ን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቒፉ። እዞም እማመታት ዝቐረቡ፡ እቲ ሕጂ ብዓቃባውያን ዝዕብለል ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ምእጋድ፥ ንፕረዚደንታት ብ”ወግዓዊ ተግባራት” ካብ ክሲ ሰፊሕ ናጽነት ምፍቃድን ሓዊሱ ተኸታታሊ ዓበይቲ ውሳኔታት ድሕሪ ምውጽኡ’ዩ። ባይደን ንደያኑ ንፍትሒ ናይ 8 ዓመት ግዜ ክቕመጥ ከምኡ’ውን “ምትእምማንን ተሓታትነትን ብዝበልጸ ንምርግጋጽ” ተግባራዊ ዝኾነ ሕጊ ስነ-ምግባር ክህነጽ ሓሳብ ኣቕሪቡ እዩ።
እንተኾነ ግና ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብ ልዕሊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘለዎም ቁጽጽር ኣብ ግምት ብምእታው ፍቓድ ኮንግረስ ንምርካብ ከቢድ ዕማም ክገጥሞ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራትስ እዚ ጽገናዊ እማመ ሕዳር ክካየድ ቅድሚ ተሃሲቡ ዘሎ ምርጫ መረጽቲ ንምልዕዓል ክሕግዝ ከምዝኽእል ተስፋ ጌሮም ኣለዉ።