ዓሚ ወርሒ ሓምለ ንህጻናት ናብ ገበናዊ ንጥፈታት ምምልማል ከም ገበን ዝገልጽ ሕጊ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ንደሓር ኣስታት ኣርብዓ ክስታት ክቐርቡ እንከለዉ፡ ካብዚኦም ኣስታት 20 ክስታት ፍርዳዊ መዓልቦ ዝረኸቡ እዮም። ፖሊስ፡ እቲ ሕጊ ገለ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣንጻር’ቶም ኣብ ሽወደን ንህጻናት ዝምዝምዙ ዘለዉ ገበነኛታት ጕጅለታት ንድሕሪት ንምድፋእ ዝያዳ ክግበር ከምዘለዎ ይገልጹ።
“ነዚ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ኣገልግሎት ፖሊስን ዓቃቢ ሕጊን ኣብ ምጥቃም ዝሓሸና ክንከውን ኣለና” ክብል ሓላፊ ኣሃዱ ፖሊስ ኣንጻር ዝተወደበ ገበን ሄልሲንግቦርግ ማትያስ ሎው ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ከተማ ስቶክሆልም ካብ ዝያዳ ከባቢታት ዝመጹ ህጻናት ኣብ ናይ ሓጋይ መዓስከራት ንኽሳተፉ ፍሉይ ጻዕሪ ትገብር ከምዘላ ገሊጻ። ይኹን’ምበር፡ ካብቶም ኣብ ከባቢ ያርቫ ንመንእሰያት ዝተመደበ 1300 ቦታታት፡ ኣስታት 300 መመልከቲታት ጥራይ እዮም ኣትዮም ዘለዉ። ክሪስቲን ኤንግስተድ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ኲነታት ክቕየር ሓያሎ ዓመታት ክወስድ እዩ። እዚ እናኾነ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሽወደን ዕምባባታት ኣልጋል ከም ዝተራእየ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ዓይነት ዕምባባ ንህጻናትን እንስሳ ዘቤትን ኣብ ሃደጋ ከእቱ ዝኽእል ምምራዝ ከስዕቡ ዝኽእሉ ኣልጌ እዮም። ኣብ ኤጀንሲ ምሕደራ ባሕርን ማይን ሽወደን ክኢላ ኣከባቢ ኤማ ግላድ፡ እዚ ዘየድሊ ስንባደ ክፈጥር ከም ዘይግባእ እንተኾነ ግና ሰባት ኣልጌ ኣብ ዘለዎ ማይ ከይሕንብሱ ወይ ከይትውሕጥዎ ኣተሓሳሲባ’ላ።