ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንገለ ክፋል ናይቲ ኣብ ዓለምና ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ስትራተጂያዊ ዝበሃሉ ዝምድናታት
ምቕያሩ ይግለጽ ኣሎ። ባይደን ኣብ ቲቪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ውጥን ወራር እንተቐጺላ እንታይ
ክፍጠር እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን “ቀረብ ኣጽዋር ከቋርጽ እየ” ኢሉ እዩ መሊሱ።
ሰደድ ኣጽዋር ዓንዲ ሕቖ ኪዳን ኣመሪካን እስራኤልን እዩ። ድሕሪ ኣርብዓ ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝምድና እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ
ዓብዪ ሓደጋ ምውዳቑ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ባይደን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ቀጻሊ ጸቕጢ ክግብረለኡ ጸኒሑ እዩ፡፡ እዚ ድማ
ተወሳኺ ዓቢ ክሳራ ሲቪላውያን ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክከላኸል ዝድርኽ እዩ ኔሩ። እዚ ድማ ባይደን ናብታ ኣብቲ ዞባ
ስትራተጂካዊ መሓዛ ኣመሪካ ምዃና እትፍለጥ እስራኤል ሰደድ ኣጽዋር ክሳብ ምዕጋት ክበጽሕ ደሪኽዎ’ሎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ
ድሕሪ ፕረዚደንት ሮናልድ ሬጋን ኣብ 1980ታት ዘይተራእየ ስጉምቲ’ዩ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ባይደን ኣብ መንጎቲ
ብዘይ ቅድመ ኲነት ንእስራኤል ዝድግፍ ሰልፊ ሪፓብሊክን ኣጸቢቑ ዝተመቓቐለ ሰልፊ ዲሞክራስን ተቐርቂሩ ከምዘሎ ተንታኒ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነበርን ገዲም ተደራዳሪ ሰላም ማእከላይ ምብራቕን ኣሮን ዴቪድ ሚለር ይገልጽ።
ክሳብ ሕጂ እቲ ፕረዚደንት ንዝምድና ኣሜሪካን እስራኤልን ዝሃሲ ዝመስል ስጒምቲ ንምውሳድ ፍቓደኛ ከይኮነ እዩ ጸኒሑ ይብል
ሚስተር ሚለር። እቲ ዝተቐየረ ድማ፡ እስራኤላውያን ንራፋሕ ንምውራር ናብ ውሳነ ቀሪቦም ኣለዉ ዝብል ኣረኣእያ ባይደን’ዩ።
ዝሓለፈ ሰኑይ እስራኤል ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ "ዕላማ ዝገበረ ንጥፈታት" ይጅምሩ ከምዘለዉን፡ ታንክታት እስራኤል
ድማ ምድላዋን ገሊጻ እያ። ነበርቲ ብወገኖም፡ ቀጻሊ ድምጺ ቶኽሲ ከምዝተሰምዐን፡ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ዝኾና ዘይሰርሓ
ሆስፒታላት ብውጉኣት ከምዝመልኣን ገሊጾም ኣለዉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብቲ ውግእ ከምዝሃደሙን፡ ከቢድ ሕጽረት መጽለሊ፡ መግቢ፡ ማይን ኣገልግሎት
ጽሬትን ከምዘጋጥሞምን ይገልጽ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብታ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን
ዝነብሩላ ከተማ ምሉእ መሬታዊ ወራር ከካይዱ ብተደጋጋሚ ቃል ኣትዮም እዮም። ኣብኡ ተሓቢአን ዘለዋ ዝተረፋ ኣርባዕተ
ቦጦሎኒታት ሓማስ ንምጥፋእ ዓቢ ስርሒት ከምዘድሊ፡ ዝኾነ ይኹን ናይ ተኹሲ ደው ምባል ዝርርብ ይዕወትን ኣይዕወትን
ብዘየገድስ ክካየድ ምዃኑ ድማ ገሊጹ።
ባይደን ወራር ራፋሕ "እቲ ኲናት ንምቊራጽን ጅሆ ዝተታሕዙ ነጻ ንምውጻእን ዝሎ ዕድል ብመሰረቱ ከዳኽሞ እዩ" ዝብል ስግኣት
ኣለዎ። ብዘይካዚ ባይደን ምስ ጎረቤት ሃገር እስርኤል ዝኾነት ግብጺ ቅልውላው ከይፍጠር እውን ከምዝደሊ ይዛረብ። በዚ
ድማ’ዩ እስራኤል ን ራፋሕ እንተወሪራ ኣመሪካ ናብ እስራኤል ኣብ ዝለኣኽ ዝነበረ ጽዕነት ኣጽዋር ደው ከተብሎ ምዃና ኣብቲ
ዝሓለፈ ረቡዕ ሚስተር ባይደን ዝገብሮ ቃለ መሕትት ቲቪ ገሊጹ ዘሎ።