ደለይቲ ፍትሒ ፍልስጤም ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ “ራውፎስ” ንዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣፍራዪ ኣጽዋር ኖርወይ ናሞ ዓጽዮም።
ናሞ ኣጽዋርን ተተኮስቲን ኣንጻር ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ንኽውዕል ናብ እስራኤል ይልእኽ ከምዘሎ እዮም እቶም ደለይቲ ፍትሒ
ፍልስጤም ዝኸሱ ዘለዉ። መራሒ “ፓሊስቲኮሚቲ ኦፕላንድ” ቱሪድ ቶማሰን ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኮ ኣብ ዝሃቦ
መግለጺ “ንሳቶም (ናሞ) ሓላፍነት ወሲዶም ናብ እስራኤል ዝኸይድ ኣጽዋር ምፍራይ ደው ከብሉ ንደሊ ኢና” ኢሉ። ገለ ካብቶም
ደለይቲ ፍትሒ ንነብሶም ኣብ ቀንዲ ኣፍደገ ናሞ ብሰንሰለት ኣሲሮም ሰራሕተኛታት ናብ ስራሕ ከይኣትዉ ከልኪሎም ኣለዉ።
ሰብመዚ ናሞ ነቲ ሰልፊ “ዝይቅቡል” ድሕሪ ምባል፥ ነቲ ምስ እስራኤል ተሓባቢርኩም ዝብል ክሲ ኣዋዲቖሞ’ለዉ ።
ዳይረክተር ርክባት ናሞ ቶርስተይን ኮርስቮልድ፡ “እዞም ደለይቲ ፍትሒ ብርግጽ ናብ ጌጋ ኣድራሻ እዮም መጺኦም” ኢሉ። “ናሞ
ካብ ኖርወይ ናብ እስራኤል ኣጽዋር ይኹን ተተኮስቲ ሸይጡ ኣይፈልጥን’ዩ” ክብል ንኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ካብ
ካልኦት ሃገራት ዝርከባ ፋብሪካታትና ዝፈሪ ኣጽዋር ይኹን ተተኮስቲ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ናብ እስራኤል ተሸይጡ ኣይፈልጥን
እዩ” ክብል ኣስሚሩሉ’ሎ። ብኸፊል ብመንግስቲ ኖርወይ ዝውነን ናሞ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ይገብር ገለ ኣጽዋር ብሰራዊት
ኣመሪካ ከምዝተዓደገ ተኣሚኑ’ሎ። ናብ እስራኤል ዝተገብረ ሰደድ ከኣ ብኣሜሪካ እዩ ተጌሩ ኢሉ’ሎ።
ብኻልእ ዜና እቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ መላእ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ዝረአ ዝነበረ ሕያዋይ ጻዕዳ ዓሳ ነባሪ ሕቫልዲሚር፡ ብሰንኪ
ረኽሲ ባክተርያ ከም ዝሞተ ተገሊጹ። ኣቐዲሙ ብጥይት እዩ ተቐቲሉ ዝብል ጠርጠራታት እኳ እንተነበረ፥ ናይ መወዳእታ ውጽኢት
መርመራ ሬሳኡ ብሕማም ምሟቱ ኣረጋጊጹ’ሎ። ትካል ሕክምና እንስሳታት ኖርወይ፡ እቲ ጻዕዳ ቤሉጋ ዓሳ ነባሪ፡ ግዳይ ናይቲ ምስ
ሰባት ዝገበሮ ርክብ ክኸውን ከም ዝኽእል ደምዲሙ’ሎ፡፡