ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ዝርከቡ ተመሃሮ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ኣብቲ ቀጽሪ ዱኳን ተኺሎም። እቶም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲኦም
ምስ ዩኒቨርሲቲታት እስራኤል ዝገብሮ ናይ ምርምር ምትሕብባርን መደብ ምልውዋጥ ተመሃሮ ከብቅዕ፥ ኣብ ግጭት እስራኤልን
ሓማስን ከኣ መርገጺ ክሕዝ ጠሊቦም ኣለዉ፡፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ነዚ ኣይውዕሎን እየ ዝብል መግለጺ ምሃቡ ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ
ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምርምር እትዋፈር ናይማ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ንጹር
መርገጺ ክሕዝ ከም እትደሊ እኳ እንተገለጸት፡ ምክትል ቻንስለር ኣንደርስ ሃግፈልት ግን ኣብቲ ግጭት ሻራ ከም ዘይሕዝ
ሞጒቱ’ሎ።