ኣብ ልዝብ ምልዋጥ ክሊማ፡ ምስ ኢንዱስትሪ ከሰል ብቐጥታ ዝተኣሳሰሩ ተወከልቲ፡ ብቚጽሪ ዝበዝሑ ምዃኖም ቢቢሲ ዘዳለዎ ትንተናዊ ዜና ኣፍሊጡ።
ኣብ ምጅማር እቲ ዘተ፡ ብ Global Witness ዝምርሑ ወፋሮ፡ ነቲ ብ UN ዝቐረበ ዝርዝር ተሳተፍቲ ትንተና ከም ዝሃብሉ፡ እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ። ብመሰረት እዚ ትንተና፡ 503 ምስ ኢንዱስትሪ ከሰል ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት ኣብዚ ዘተይሳተፉ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ። እዞም ተሳተፍቲ፡ ነተን ብ ነዳዲን ጋዝን ዝሰርሓ ኢንዱስትሪታት ንምጥባቕ ኢሎም ከም ዝመጹ ብምምልካት፡ ካብዚ ዘተ ክእገዱ ከም ዘለዎም እውን ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ።
እዚ ኢንዱስትሪ ከሰል፡ ንዝሓለፋ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ብከላን ምልዋጥ ክሊማን ዓለምና ዘለዎ ጠንቂ ክኽሕድ እዩ ጸኒሑ፥ እዚ ዓብዪ ሽግር እዩ፡ ክብል ካብ ግሎባል ዊትነስ እተወከለ፡ ሙራይ ዎርዚ፡ ይገልጽ።
ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ እዚ ልዝብ ምንም ዝጭበጥ ስጒምቲ ከይወስድ ዓጊትዎ ዝጸንሐ ናይዚ ኢንዱስትሪ ኣሉታዊ ጽልዋ እዩ ክብል እውን ከሲስዎ።
ኣብዚ ልዝብ 40 ሽሕ ሰባት ይሳተፉ ኣለዉ ተባሂሉ’ሎ።